ብ14 ሕዳር ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣስመራ ሚሳይላት ዓሊቡ.

ከም መቐጸልታ ናይቲ ትማሊ ዓርቢ 13 ሕዳር፣ ኣብ ዶባት ናብ ዝርከባ ቁሸታት ዝጀመረ ደብዳብ፣ ብ14 ሕዳር ድሕሪ ቀትሪ’ውን ኣብ ኣስመራ ሚሳይላት ዓሊቡ።

ዛጊት ክልተ ሚሳይላት ኣብ ከባቢ ሓይሊ ኣየር ከምዝዓለበ ክረጋግጸ እንከሎ፣ ተወሳኺ ደብዳብ ክስዕብ’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ህዝቢ ተረቢሹ ምህላዉ ምጭታትና ይሕብሩ። ድምጺ ክልተ ሚሳይላት’ውን ከምዝተሰምዐ ዝጠቐሱ ምንጭታት ኤርትራ፣ ዛጊት ዝዓለበሉ ቦታ ከነጽሩ ኣይክኣሉን። ዛጊት ኣብ ህዝቢ ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ክፍለጥ ኣይክኣለን። ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ተቛሪጹ፣ ኣስመራ ኣብ ጸልማት’ያ ዘላ።
ይኹን’ምበር፣ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ካብን ናብን ይንቀሳቐስ ምህላዉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብታ ከተማ ኣረጋጊጾም። ዝቕጽል ዕላማታት፣ ዓዲ ሓሎን ሚኒስትሪ ዜናን ክኸውን ከም ዝኽእል ስግኣታት ከምዘሎ ዝሓበሩ ምንጭታት፣ ዓዲ ሓሎ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናብ ዘይተፈልጠ ግዝያዊ ቦታ ይግዕዝ ምህላዉ ኣተንቢሆም። ብዓርቢ 13 ሕዳር፣ ብደቡባዊ ሸነኽ ዶባት ኤርትራ ዝጀመረ ደብዳብ፣ ብምዕራባዊ ሸነኽ፣ ከባቢታት ባድመን ኦምሓጀርን ይቕጽል ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።