ሮቡዕ , 28 መስከረም 2022
ሓደሽ ትሕዝቶ

3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጥንዮስ፣ ሎሚ ረቡዕ 9 ለካቲት 2022 ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፎም።

3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጥንዮስ፣ ሎሚ ረቡዕ 9 ለካቲት 2022 ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፎም።
ካብ 2006 ጀሚሮም ክሳብ ‘ዚ ዓመት‘ዚ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሑ፣ ሳልሳይ ፓትርያርክ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ሎሚ ረቡዕ 9 ለካቲት 2022 ከም ዝዓረፉ ተፈሊጡ።
ኣብ ክሊ ዕድመ 95 ዝርከቡ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ ማሕዩር ኣብ ዝነበርሉ እዋን፣ መሰረታዊ ናይ ሕክምና ኣግልግሎታት ከይተረፈ ክንፈጎም ምጽንሑ ይፍለጥ።
ህግደፍን መሓውራቱን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ቤተ ክርስትያን ከይኣቱ ብምቕዋሞም፣ ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ “ይቕሬታ ብምሕታት ናብ መንበሮም ክምለሱ፣” ብዝብል ምስምስ ልኡኽ ህግደፍ ምዃኑ ብዝውቀስ ሲነዶስን ጳጳሳቱን ጸቕጢ እኳ እንተተገብረሎም፣ ካብታ ዝኣመኑላ ሓቂን ፍትሕን ነቕ ከይበሉ’ዮም፣ ኣብ እምነቶም ኣብታ ዝነበሩዋ ማሕዩር ከም ዝዓረፉ’ዩ ዝንገር ዘሎ። ህግደፍ ኣብ ኩለን ሃይማኖታት ጣልቃ እናኣተወ ሃይማኖት ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ድማ ኣካል’ዚ ጣልቃ ህግደፍ ብሙኻና: ንኣቦታት ከፋፊሉ ክሳብ ሕድሕድ ምክሳስ ዝኸዱ ብምግባር ንገለ ኣቦታት ናቱ መሳርሒ ብምግባር: ከም ኣቦና ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝኣመሰሉ ኣቦታት ድማ ኣብ ማሕዩር ክዳጉኖም ብምጽንሑ እንሆ ኣቦታት ብዘይ ዕርቂ ብሞት ይፍለዩ ኣለዉ።
ቲቪ መለይ፣ ብዕረፍቲ ኣቦና ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተሰምዓና ሓዘን እናገለጸትና፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ጽንዓት ይሃብ ንብል።https://fb.watch/b3VVy3nXyO/