ሶሉስ , 6 ታሕሳስ 2022
ሓደሽ ትሕዝቶ

ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ውሓኤ (ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን)

ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ውሓኤ
(ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን)

መእተዊ

ኤርትራ ኣብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታ ሴሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትርከብ። ብምብራቕ ምስ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብምዕራብን ሰሜንን ምስ ሱዳን፡ ብደቡብ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብደቡባዊ ምብራቕ ምስ ጁቡቲ
እትዳወብን ቡዙሓት ደሴታት ዝሓቖፈትን ሃገር እያ። ካብ ሴሜናዊ ጫፍ ራስ-ቄሳር ክሳብ ደቡባዊ ጫፍ ራስዱሜራ
ዝዝርጋሕ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ ኣስታት ሓደ ሽሕን ሚእትን (1100 ) ኪ.ሜ ዝግመት ገማግም ባሕሪ ከኣ ትውንን። ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣህጉራዊ ኣፍደገታት (ማያት) ማለት መኻፍቲ ማእከላይ ባሕሪ ዝኾነ መትረብ
ስዌዝን ማኻፍቲ ህንዳዊ ውቅያኖስን ዝኾነ መጻብቦ ባብ- ኤል-መንደብን ትርከብ። ስለዚ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ማያዊ መተሓላለፊ መስመር ኣገዳሲ ኣቀማምጣ ዘለዋ ሃገር እያ።

በዚ ምኽንያት ፣ በቲ ሓደ ወገን
ብዞባውን ኣህጉራውን ደረጃታት ግርጭታት ንዝመርሑ ዝተፈላለዩ ወገናት ዓዳሚ ረቛሒታት ክትከውን ከላ በቲ ካልእ ድማ እዚ ኣቀማምጣ ኤርትራ’ዚ ኣብ ምድልዳል ሰላምን ጸጥታን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ፖለቲካውን ቁባውን ምምልላእን ምትሕብባርን ንኽሰፍን ኣገዳሲ ተራ ንክትጻወት ዘብቅዓ ኣቀማምጣ ኣለዋ። ኤርትራ ብዙሕነታዊት ሃገር’ዩ። ኤርትራ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣኣ ቆላ፡ ወይነ-ደጋን ደጋን ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝተፈላለዩ ክሊማታት ዘለዉዋ ሃገር’ያ። ብተወሳኺ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብብዙሕነት ናይ ብሄረሰባቱን፡ ባህልታቱን፡ ቋንቋታቱን፡ እምነታቱን ብዙሕነት ዝልለ ህዝቢ እዩ። ስለ ዝዀነ፣ ዝዀነ ይኹን ፖሊሲታት ክሕንጸጹ ከለዉ ነዚ ፍሉይ ክውንነትን ጸጋታትን ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ግድነት ይኸውን።
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበዝሔ ክፋሉ ብማሕረስን ምርባሕ እንስሳ ዘቤትን ምግፋፍ ዓሳን ዝናበር ህዝቢ እዩ። እቲ ውሑድ ኣብ ከተማታት ዝነብር ክፋል ህዝብና’ውን እንተዀነ ምስ መሬትን ገጠርን ዘለዎ ዝምድና ገና መሊኡ ዘይበተኸ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝወሓደ ከኣ ንኣሽቱ ውልቃዊ ናይ ማእቶት ትካላት ዝውንን፡ ኣብ ንግድን ኢደጥበባዊ
ስራሓትን ተዋፊሩ ዘስርሕን ዝሰርሕን ህዝቢ እዩ።

ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ፥

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ነዊሕ ዝኸደ ዝተፈላለዩ ሰንሰለታዊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ከም ንግስነት ፉንግ (ስናር)፡ ቱርኪ፡ ግብጺ ንነዊሕ ዘመናት ክሳቐ ዝጸንሐ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዓሚቕ ዝኾነ ስምብራት ገዲፉ እዩ። ቅድሚ ጣልያን ዝነበሩ ገዛእቲ፡ ንዝተፈላለየ ክፍልታት ናይ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፣ ኣብ ሓደ እዋን ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ከም ዝነበርዋ ይፍለጥ። ይኹን እምበር ኤርትራ ከም ሃገር ንጹር ዝኾነ ዶባት ክህልዋን፣ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ዝነበረ ህዝባ ድማ ብሓደ ዓይነት መንግስታዊ ሕጊ ክምሓደር ዝጀመረሉ እዋን፡ ካብ መግዛእቲ ጥልያን (1890 ዓ/ም) ንነጆው እዩ።

መዋእል ቃልሲ ርእሰ ውሳኔን፣ ምውላድን ምፍራስን ፈደረሽንን፥

ኣብ ግዜ ካልእይ ውግእ ዓለም ጥልያን ምስ ተሳዕረ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ መግዛእቲ ብወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ተተክአ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርብዓታት ዘበገሶ ናይ መሰልን ሓርነትን ዝተወደበ ሰለማዊ
ቃልሲ ኣካይዱ እዩ። ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፣ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል ስጋብ መወዳእታ ዝጸዓረሉ ምኽንያት መሰረቱ ሃይማኖት ዝገበረ’ዩ ነይሩ። ዋላ’ኳ ንሃገር ኣብ ክልተ ምምቃል እንተዘይተዓወተ፣
ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ብስምዒት ክፈላለ ዝገበረ ተርእዮታት ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣብ’ዚ ናይ ምምቕቓል መደብ መንግስቲ ጥልያን’ውን’ተሓዊስዎ እዩ።
ካብ 1941 ክሳብ 1952 ዓ ም ዝነበረ እዋን መዋእል ርእሰ-ውሳኔ ተባሂሉ ዝስመ፣ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ዘይተመጣጠነ ፈደረሽን ተወልደ። እዚ ግን ንኤርትራ ብፍጹምነት ምስ ኢትዮጵያ
ንምጽንባር ባይታ ዝመድመደ ስጉምቲ ምንባሩ ይፍለጥ። ኤርትራ ድማ ናይ’ቲ ቀጺሉ ዝሰዓበ ዝተናውሐ ምድማይ ጠንቂ ዝነበረ ዘይተመጣጠነ ፈደረሽን ግዳይ ኮነት። ኣብ መወዳእታ ድማ ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ
ነቲ ዝርካቡ ዘይተመጣጠነ ውዕል ናይ ሕቡራትመንግስታት ኪዳንን ኣህጉራዊ ስምምዓትን ብምርጋጽ በይናዊ ውሳኔ ብምውሳድ ንሃገረ ኤርትራ ብዓመጽ ምስ ኢትዮጵያ ከምዝተጸንበረት ኣወጀ።
ምጅማር ዕጥቃዊ ተጋድሎ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነታውን ሓርነታውን ተጋድልኡ ናብ ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምስግጋር ሓድሽ ምዕራፍ ከፈተ። ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕን መሪርን ጅግንነታዊ ተጋድልኡ ብመሪሕነት
ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ብ1958 ኣበገሰ። ቀጺሉ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብመሪሕነት ጅግና ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ናይ ቃልሲ መሳርዕ ኣዕኑድ ዝደኰነ፡ ድሒሩ ከኣ ብመሪሕነት
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንገዛኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ስዒሩ ኣብ ግንቦት 1991 ንመላእ መሬት ኤርትራ ሓራ ኣውጽአ። ብ24 ግንቦት 1993 ከኣ ከም ውጺኡቱ ብተዓዛብነት ሕቡራት መንግስታት ብዝተኻየደ ረፈረንዱም መሰረት፣ ኤርትራ ነጻን ልዑላውነታ ዘረጋገጸትን ሃገር ኰነት።
ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
እዚ ዓወት እዚ ብቓልስን መስዋእትን መላእ ህዝብና ዝተረጋገጸ ታሪኻዊ ዓወት ኢዩ፡፡ ንመድረኽ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ደምዲሙ ናብ ካልእ ብዓይነቱ ዝተፈለየ መድረኽ ከሰጋግሮ ከሎ፣ እዚ ዓቢ
ለውጢ’ዚ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ቅድሚ ታሪኻዊ ሓላፍነት ፊት- ንፊት ኮፍ ኣበሎ፡፡ ብመጀመርታ ንጉዳይ ሃገራዊ ሓድነት ብወድዓውነት መፍትሒ ክርከበሉ ከም ዝግባእን ብዓቢኡ ድማ 3 ብመገዲ ሃገራዊ ዕርቂ ሰላም ክሰፍንን ህዝብና ዓቢ ሃረርታን ጽምኣትን ኔርዎ፡፡ ህዝብና መርሓ ዲሞክራሲ
ብግቡእ ክትግበር ምቹእ ቅድመ ተደላይነታት ክንጸፈሉ ባህጉ ነበረ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክጽበዮ ዝጸንሐ ግብራዊ ርትዓዊ ባህጊ፡ ብሰላማውን
ሕጋውን መገዲ ኣብዝሓ ሰልፊ ዘትከለ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ዘገልግል ጥጡሕ ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ ባይታ ንምፍጣር፡ ንኹሉ ሃገራዊ ሓይልታት ዘሳትፍን፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት
ዘኽብርን ግዝያዊ ሃገራዊ መንግስቲ ምምስራት ነበረ፡፡እንተኾነ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ንቃልሲ ህዝቢ ጨውዩ ብሓይሊ ናብ ስልጣን ዝመጸ ጕጅለ-ህግደፍ ንኩሎም መሰላት፣ ማለት መባእታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ፡ ሲቪላዊ፡ ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ መሰላት ዓፊኑ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዘይቅየድን ሰላም ዝዘርግን ስርዓት
እዩ። ብሰንኪ ጉጉይ ፖሊሲታቱ ሃገራዊ ቁጠባ መሬት ዘቢጡ፡ ማሕበራዊ ዝምድናታት ዝኣስር ኣፋትል ተበጣጢሱን ድንቁርና ማዕቢሉን፡ ብስም ሕቶ ዶብ ንመንእሰያት ጅሆ ሒዙ ዝተረፉ ተራእዩ ብዘይፈልጥ
መልክዑ ናብ ስደት ተበታቲኑን መሊሱ ኣብ ካልእ መወዳእታ ዘይብሎም ኣስካሕካሕቲ ዝኾኑ ሽግራት ኣትዩ ይርከብ።
ቀጺሉ ክትግበር መድረኽ ዝጠልቦ ዝነበረ ምድልዳል ሃገራዊ ልዕላውነት ነይሩ፡፡ እዚ ማለት ኩሎም ንሃገራዊ ልዕላውነት ክረጋገጽ ክማልኡ ዝግብኦም ረቛሒታት ክረጋገጹ ባይታ ምፍጣር ይሓትት። ነዚ ዕላማ’ዚ ዘረጋግጹ ትካላት ምህናጽ ከኣ የድሊ። ብተወሳኺ ምሕራር ሃገረ ኤርትራ ንህዝብና ኣብ ድርኩዂት ምህናጽ ዕሸል ሃገሩ
ደው ኣበሎ።ብርግጽ ከኣ ዕማም ሃገር ምህናጽ ኩሉ ሰብኣውን ንዋታውን ሃገራዊ ዓቕሚ ምውፋር ይጠልብ።
ከምኡ’ውን መድረኽ ሃገር ምህናጽ ብባህርያቱ ካብ መድረኽ ሃገር ነጻ ምውጻእ ዝተፈልየ መሰረታዊ ተምሳላትን ጠባይን ስለ ዘለዎ ዝተፈላለየ ኣተኣላልያን ኣተሓሕዛን ከም ዝሓትት ፍሉጥ’ዩ። እንተኾነ ግን እዚ
ልዑል ምንዮትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ከይሰጐመ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝደየበ መሪሕነት ህግደፍ ንረብሓኡ ጥራሕ ዝሓስብ፡ ኣዕናዊ ጸረ መትከላት ዲሞክራሲ ዝዀነ ስርዓት ስልጣን ህዝቢ ጨውዩ ጉዕዞ ናብ ዲክታቶርነት ኣቕንዖ። መግለጺ ዓማጽን ገባትን ባህርያቱ ድማ ብ20 ሰነ 1991 ናይውድባት ሓሸውየ
የልቦን ክብል ከይሓፈረ ኣወጀ።
በዚ መሰረት ነቶም ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ዓውዲ ሃገራዊ ተጋድሎ ዝዋስኡ ዝነበሩ ሃገራውያን ሓይልታት፡ ኣብ ናጻ ሃገሮም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምእጋድ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ናይ ኩሎም ኤሪትራውያን ዜጋታት መሰረታውን ኣድማሳውን መሰላት ከም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምምስራትን፡ ርእይቶ ምግላጽን፡ ምእካብን፡ ሰለማዊ ሰልፍታት ምክያድን፡ ናጻ በርገሳዊ ማሕበራት ምቛምን፡ ነጻ ፕረስ ምህላውን፡ ናይ እምነታት ነጻነት … ወዘተ ብሕጊ ተኣጊዶም ይርከቡ።
ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ህሞት’ዚ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ስቓይ ጥርዚ በጺሑ ይርከብ።
ከም ውጽኢት ፍጻመታት ዘይተጸንዑን ግጉያት ፖሊሲታት ገባቲ/ምልካዊ ስርዓት ሕብረተሰብኣዊ ምትእስሳር ብዝያዳ ላሕሊሑ ስለ ዘሎ ንሓድነት ዝተፈላለየ ሃይማኖታውን፡ ቋንቋውን፡ ኣውራጃውን እቲኒካውን ዘስግእ ሃዋህው ይፍጠር ምህላዉ ኢዩ፡፡ ኣብ መዳይ ቁጠባን ኩነታት መነባብሮን ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዓት ኣንቆልቊሉ ምህላዉ፣ በዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዘይተተንከፈ ኣባል ሕብረተ-ሰብና የለን፡፡ ነጋዶ ከም ጸላእቲ ተወሲዶም በብግዚኡ ስለዝኽሰሱን ዝእሰሩን ስኣን ጉልበት ካብ ፋብሪካን ሕርሻን ክርከብ ዝግብኦ ማእቶት ኣብ ኣልቦነት ብምውዳቑ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ዝኾነ ሽግር ይርከብ። ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዋሕዚ ስደት መንእሰይ ብዝያዳ ክቕጽል ምርኣይና ናይ’ዚ እዋን’ዚ ወድዓዊ ሓቂ’ዩ። ኣብ ትምህርቲ ክዋፈሩ ዝግበኦም መንእሰያት፤ ኣብ ግዱድ ናይ ጉልበት ባርነት
ተጸሚዶም እንዳሃለዉ፣ ኣብ ትርጉምን ረብሓን ዘይብሉ ውግኣት ከህልቖ ከሎ ብቐረባ ንዕዘቦ ዘሎና ኣቐንዛዊ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ማለት ምስ ኩሎም ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ፡ ምስ ህዝቢ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ክህልዎ ዝግብኦ ናይ ሕውነትን ናይ ምትሕግጋዝ ርትዓዊ ትጽቢት ኣባኺንዎ
ይርከብ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ብዞባውን ኣህጉራውን ደረጃታት የጋጥሞ ብዘሎ ፖለቲካዊ ተነጽሎታት ይሳቐ ከም ዘሎ
ምግንዛብ የድሊ፡፡ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ፖለቲካውን፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣብ ዘላትሉ ግዜ፡ ህላወ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሕቶ ኣትዩ ይርከብ፡፡ ስለ እዚ እምበኣር ካብ እዚ ዝቀላቐል ዘሎ ሃገራዊ ዕንወት ንምድሓን እቶም ዝብድሁና ዘለዉ ኣስጋእቲ ጸገማት ንምፍታሕ፡ ናይ ግድን ሰፊሕ ህዝቢ ዝተጸንበሮ ቃልሲ ከነካይድ ከም ዝግብኣና ዘይክሓድ ሓቂ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዚ እዋን’ዚ ዝምነዮም ክልተ መሰረታውያን ነገራት ኣለዉ፡፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ሰላም ይደሊ፡፡ እቲ ንነዊሕ ዘመናት ብዘይ ምቁራጽ ዝውሕዝ ዘሎ
ደም ደቁ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክውገደሉ ከኣ ይደሊ፡፡ ሰላም ኣብ ውሽጢሃገሩ፡ ሰላም ምስ ጎረባብቱ፡ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ጠለባት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ‘ዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ህልውን ናይመጻእን ናብርኡ ውሕስነት ይደሊ፡፡
ነዚ ህዝባውን ሃገራውን ዕማም፡ እሞ ኸኣ ህጹጽ ጉዳይ: ብሰናይ ድሌት ምብጋስ በይኑ እኹል ኣይኮነን። ኣቐዲሞም ብዙሓት ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሃገር ናይ ምድሓን ዕማም ተዓጢቖምሉ ከምዘለው ብምግንዛብ፡ ነቲ
ስጉሚ ቃልስ ከምቲ ዝድለ ከይስጉም ሓሊኹ ሒዝዎ ዝጽንሔ ጉዳያት ኣለሊና ክንምርሽን፡ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ተማሂርና፡ ዝሓሸ ናይ ቃልሲ ባይታ ፈጢርካ ሃገር ካብ ምጽናትን ምፍራስን ምድሓን ኢዩ። ነዚ ዕዮ ገዛ
ክንሰርሕ፡ ምስ ዕላማና ዝሳነ፡ ንኹሎም ሓቀኛታት ሃገራውያን ዝሓቁፍን ዘሳትፍን ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ስትራተጂ፡ ሓያልን ብሱልን ውዳቤ፡ ምዕቡል ዲፕሎማስን ጥበብን የድሊ ኣሎ። ዕላማ እዚ ሰነድ’ዚ” ናይ።ውሓኤ ቻርተር” ወይ ከኣ መርሓ-ሕንጻጽ እዚ ውድብ ኮይኑ፡ ከም ዲናሞን መነሃርያን ኮይኑ ዝመርሕ ሰፊሕ።ሃገራዊ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ ፕሮግራም ኢዩ።

 

ምዕራፍ ሓደ (1)
1. ራእይ
1. ፍረ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝዀነት ኤርትራ፣ ልዑላውነትን ወሳንነትን ህዝባ መሰረት
ዝገበረት፣ ፍትሕን ስርዓተ ሕግን ዝነገሳ፣ ብዙሕነትን ክብርን ህዝባ ዘዕቆበት፣ መላእ ህዝብን ዜጋታትን
ናብ ራህዋን ስሉጥ ምዕባለን ሰላምን ስኒትን ዝሰፈና፣ ንዅሉ መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ፡
ፖለቲካውን ሲቪላውን፣ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ሓርነታትን፡ ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ
መሰላትን ብሕታዊ ቁጠባዊ ዋንነትን ዘውሓሰት፣ ሙሉእ ናይ ሃይማኖትን እምነትን ዘረጋገጸት፣
ዘይምእኩል ምሕደራ ብኣብዝሓ-ሰልፍታት ዝልለ ነንሕድሕዱ ዝቆጻጸር ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ስርዓተመንግስቲ ዘረጋገጸት ሃገረ-ኤርትራ ንምህናጽ ምምራሽ እዩ።
1. 2. ተልእኾ (Mission)
1. ህዝቢን ሃገርን ንምድሓን፣ ብሓባር፣ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍን ኣተሓሳስብኡን ምልጋስ እዩ።
1.3. ዕላማ (Purpose)
1. ህዝብና ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ክዓስልን ዓወቱ ክቀላጠፍን ክኽእል ፋሕ ዝበለ ኣተሃላልዋ
ተቓለስቲ ሓይልታት ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ፣ ነቲ መሰረታዊ መንቀሊኡ ጸረ-ዲሞክራሲ፣ ጸረ-ልምዓት፣
ጸረ-ምዕባለን ጸረ- ውሁድ ቀጻልነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍን ኣዕናዊ ኣተሓሳስብኡን ኩሎም ናይ ጭቆና መሓውራቱን ምውጋድ፣
2. ኩሎም ሃገራዊ ልዑላውነት ዘረጋግጹ ረቛሒታት ኣማሊኣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገረ-ኤርትራ
ምርግጋጽ፣
3. ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ክሊ ብዙሕነታዊ ክውንነቱ ንምሕላውን ንሓባራዊ ሰላማዊ መነባብሮ
ጥዑይ ሃዋሁው ንምፍጣርን ምዕያይ። ባህሊ ዘተን ስልጡን ኣፈታትሓ ካልኣዊ ግርጭታትን
ንምምዕባል ምቅላስ፣
4. ኣብ ብዙሕነት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተሰረተ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝትከለሉ፡ ጥጡሕ ባይታ
ንምፍጣር ምቅላስ፣
1.4. ኣጋባባት ቃልሲ
1. ንገባት ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ዝዓለመ ኩሉ ዓይነት ኣገባባት ቃልሲ ምጥቃም፣
2. ኣብ መንጎ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኤርትራ ንዝኽሰት ፍልልያትን ግርጭታትን ንምፍታሕ መርሆ ዘተን
ልዝብን ምጥቃም፣
3. ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣህጉራዊ መገባእያታት ምቅላዕ፣

 

እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ከፋፊልካ ክርአ ይካል። ናይ ቃልሲ
መድረኽ፡ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ድሕሪ መሰጋገሪ ተባሂሎም ይከፋፈል።

ምዕራፍ ክልተ (2)

2.1. መድረኽ ቃልሲ፦ ብውሕዱ ሓሙሽተ ጉዳያት ዝሓዘ ክኸውን ይግባእ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ንምቕያር ዝግበር መድረኽ ዝጠልቦ ጥምጥም ንምዕዋት ባዕላዊ ኲነታት ክማላእ ተግባራዊ ስራሓት
ምትላም የድልየና። ሓይልታት ለውጢ ዝዀኑ ብሓደ ቃል ከድምጹሉ ዝኽእሉ ኲነታት ንምጥጣሕ ብዕቱብ።ምስራሕን ጽዑቕ ናይ ምንቕቓሕን ኣስተምህሮን ኣብ’ዞም ዝስዕቡን ካልኦትን ምቅላስ፡-
1. ቅኑዕ ፍቱን ናይ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምህናጽ። ኩሉ ፖለቲካዊ ፍልልይያትና ኣወንዚፍና፡
ንሉኡላዉነትና፡ ሓድነት ህዝብናን መሬታዊ ምሉእነት ናይ ሃገርና ኤርትራ፡ ከም መትከላት ምርኩስ
ብምግባር፡ ኩሉ ንስርዓት ኢሰያስ ዝቃወም ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ንኽቃለስ፡ ዘኽእል ናይ ለውጢ ሓይሊ
ምሕናጽ።
2. ንህዝብናን ሃገርናን ኣጋጢምዎ ዘሎ ስነ ልቦናውን፡ ባህላውን ወራራት ብዝተጸንዐመንገዲ ምግጣም።
3. ንሃገራዊ ራእይና ከዐውት ዝኽእል ናይ ርሑቕን ቀረባን ስትራተጂካዊ መርሓ-ቃልሲምቕያስ፣
4. ንኩሉ ዓኣይነት ህዝባውን ሲቪካውን ምትእኽኻባት (ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ሸቃሎ፡
ሓረስቶት፡ ሞያውያን …ወዘተ) ምድጋፍን ምትብባዕን። ኣብዚ መድረኽ ቃልሲ ተርኦም ከዕዝዙ
ምትብባዕ፡፡ ነቲ ብኹሉ መዳይ ዝደገፍዎ ናይ ቃልሲ መክሰባት ንምዕቃብ ነቂሖምን ተደራጅዮምን
ንክጸንሑ ምርግጋጽ።
5. ግዝያዊ ቻርተር ምንዳፍን፡ ኩሎም ኣብ ቃልሲ ዘለዎ ሃገራዊ ሓይልታትን፣ ህዝባውን ሲቪካውን
ምትእኽኻባት፡ ብዓቢኡ ከኣ ሕዝብና ዘሳተፈ መባእታዊ ስምምምዕ መሰጋገሪ ቻርተር ምግባር።

ምዕራፍ ሰለስተ (3)

3.1. መሰጋገሪ መድረኽ ፦ እዚ መድረኽ’ዚ፡ ካብ ጽባሕ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጅምርን ክሳብ መጀመርታ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራያዊ ስርዓት ዘሎ ፍሉይ ተሃዋሲ ፖለቲካዊ መድረኽ’ዩ። እዚ መድረኽ’ዚ ናይ ዝወደቐ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣረጊት ጫፍን፡ ናይ ዝመጽእ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሓዲሽ ጫፍን፡ ክልተ ተጻረርቲ ጫፋት ዝራኸብሉ ተሃዋሲ መድረኽ’ዩ:: ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ግዜ ገባቲ/ምልካዊ ስርዓት ተዓፊኖም ዝነበሩ ጉዳያት ሓደ ብድሕሪ ሓደ እናነተጉ፡ ሰኣን ብቑዕን ሓያል ተጻዋርነትን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምኻድ ሕንፍሽፍሽ ንከይክሰት፡ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነትን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሲቭል ማሕበራትን ህዝብን ሙሁራትን ኣዝዩ ረዚን ሃገራዊ ሓላፍነት ዝጽዕን’ዩ። ኩሉ ኣብዚ መድርኽ እዚ ዝግበር ነገራት ብመሰረት ዝተሰማማዕናሉ ግዝያዊ ቻርተር መሰጋገሪ (ምዕራፍ 2.1 ፍቅዲ 5) ኽኸዉን ኣለዎ። ከም ኣብነት እዞም ዝስዕቡ ነገራት ክግበሩ ይክኣል።
3.1.1. ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንዲሞክራሳዊ ለውጢ ክቃለሱ ዝጸንሑ ኩሎም ሃገራውያን (ውሽጥን ወጻእን) ዘሳተፈን ዝወከለን ግዝያዊ መንግስቲ ምቛም። ዕማማቱ ከኣ፡-
1. ዝሰፍሐ ተቐባልነት ክህልዎ ዝኽእል ንድፊ ቅዋም ምድላው፣
2. ኤርትራዊ ነጻ ፖለቲካዊ ውሳኔ ምውሓስ፣
3. ፖለቲካውን ስቪላውን ምንቅስቃስ ምፍቃድ፣
4. ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ምፍታሕ፣
5. ምሉእ ረቛሒታት ልዑላውነት ምርግጋጽ።
3.1.2. ኣብ መላእ ሃገር ሰላምን ርግኣትን ንምስፋን ዋሕስ ዝዀነ ናይ ነባሪ ፍታሕ ሃገራዊ ዕርቂ መስርሕ
የንቅል። ዕላምኡ ከኣ፡-
1. ሰላምን ርግኣትን ከም ዝሰፍን ምግባር፣
2. ንመሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ዝቕይድ ሕግታት ህግደፍ ምስራዝ፣
3. ብገበን ዝጥርጠሩ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብሕጋውን ፍትሓውን ኣገባብ ናብ ሕጊ ምቕራብ፣
3.1.3. ግዜያዊ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ብቅዓት ብዘለዎም ክኢላታት ኮምሽናት ይቐውም፤

ንሳቶም ድማ፦
1. ኮምሽን ሃገራዊ ቅዋም
2. ኮምሽን ሃገራዊ ምርጫን ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን
3. ኮምስዮን ሕጊ ናጻ ፕረስ
4. ካብ ህዝቢ ዝተመንዝዑ መሬትን ንብረትን ዝምርምርን፡ ብሕጋውን ፍትሓውን ኣገባብ ናብ ዋናታቱ ዝመልስን ኮምስዮን
5. ኮምሽን ቆጸራ (ፍቕዲ) ህዝቢ
6. ኮምሽን ምምላስን ምጥያስን ስደተኛታት
7. ኮምሽን ምርምርን ስነዳን፣ ከም ክብርታት ህዝቢ ኤርትራን ደረጃ መነባብርኡን ከተጽንዕ ይከኣል

ምዕራፍ ኣርባዕተ (4)

4. ሳልሳይ መድረኽ ቃልሲ፦ ኩሉ ኣብዚ መድረኽ እዚ ክንገብሮ እንደሊ ነገራት ክንዝርዝር
ይክኣል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ መድረኽ ክልዓሉን ክዝተየሎም ዝግብኦም ጉዳያት ምስ ኣብ ናይ ቃልሲ
መድረኽ ይኹን ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ዝልዓሉ ነጥብታት ተሓዋዊሶም፡ ምትሕልላኻት ይፈጥሩ
ስለዘለዉ ንስለ ምስናድ ይኣቱ ምህላዉ ነገንዝብ።

4.1. መዋእል ዲሞክራስያዊ ስርዓት:- እዚ መድረኽ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛን ወሳኒን ዝኮነ ምንጪ ልዑላዊ ስልጣን ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ሃገራዊ ምርጫታት መራሕቱ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ
መሪጹ፡ ካብ ጽባሕ ምእዋጅ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝጅምርን ብቅዋም መሰረት በብ ዙርያ ስሩዕ
ሃገራዊ ምርጫታት ብምክያድ ቀጻልነት ዲሞክራስን ሰላምን ልምዓትን ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን
ዘረጋግጽን ዘውሕስን መዋእል ዲሞክራስያዊ ለውጢ’ዩ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ሃገራዊ ቅዋም
መሰረት ብምግባር ኣብ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ሕጋውን ሃገራዊ ምርጫታት ዝሰረቱ ሰላማዊ ምቅብባል ስልጣን ዝካየደሉ ዘይቋረጽ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ መድረኽ’ዩ።
ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ምስ’ቲ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዝፍጠር ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ብዝሰማማዕ መንገዲ ክቀያየርን ክሕደስን ወድዓዊ ተኽእሎታት ዘሎዎ’ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ’ዩ።
4.1.1. ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፦
1. ኣብ መጻኢት ኤርትራ ባይቶኣዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክትከልን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖሎቲካዊ መዳይ
ወሳኒ ተራ ክህልዎን ውክልንኡ ክረጋገጽን ተመጣጣኒ ውክልና ናይ ምርጫ ስርዓት ክህልውን
ንቃለስ።
2. ሓድነት ህዝብን መሬትን ምርግጋጽን ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ ብዘየዋላውል መልክዑ
ምዕቃብን፣
3. ኣብ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝሰረተን መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝኣምንን
ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፣
4. ንዲሞክራሲ ከም ሓደን መተካእታ ዘይብሉን ሰላማዊ ምቅብባል ስልጣን ዘውሕስ መሳርሒ
ምዃኑ ምቕባል፣
5. ኩሉ መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን በርጌሳዊ ሓርነታትን
6. ናይ ሕጊ ልዑላውነት ምርግጋጽ፣

4.1.2. ህዝባዊ ምምሕዳር

1. ህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ተሳቲፎም ብህዝባዊ ወኸሳ ዝጸድቅ ሕገ መንግስቲ

(ሃገራዊቅዋም) ምቛም፣
2. ኣብ ናይ ስልጣን ምክፍፋልን ምቑጽጻርን ዝተመርኰሰ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ትካላት ዘለዎ
ባይቶኣዊ ስርዓት ምቛም፣
3. ረፈረንዱም ( ህዝባዊ ወኸሳ ) ከም ዲሞክራስያዊ መትከል ኣብ ሕገ መንግስቲ(ቅዋም) ሰፊሩ ኣብ
ልዑላውነት ሃገርን ሕግን ዝትንክፍ ጉዳይ ምጥቃም፣

4. ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራዊ ስርዓት ኤርትራ ህዝብና ጉዳያቱ ባዕሉ ከካይድ ዘኽእሎ ዲሞክራስያዊ
ቦታዊ ትካላት ንምቛም ስልጣን ምሃብ። ክፍልታት ሕብረተሰብና ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋም ኣውራጃታቶም ባዕሎም ክመርሑን ከማሓድሩን መሰል ከም ዘለዎም ምርግጋጽ፣
5. ቅርጻ ኤርትራ ብደረጃ ዓዲ ወይ ከተማ፡ ወረዳ፡ ኣውራጃ …ወዘተ ከም ዝስራዕ ምግባር።

4.1.3. ዲሞክራስያዊ መሰላት
1. ኩሎም ናይ ዜጋታት ዲሞክራስያዊ መሰላት ክኽበሩ፣
2. ኣብ ትሕቲ ቅዋም ሰላማዊ ተቛውሞ ዘፍቅድ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ዝካየድ ውድድር ነጻን
ሰለማውን ዲሞክራስያዊ መርሆ ዝኽተልን ይኸውን፣
3. ንስልጣን ኣብ ዝግበር ውድድር ወሳንነት ህዝቢ ዝቅበልን ብውሳኔታቱ ዝምእዘዝን ይኸውን፣
4. ምቅብባል ስልጣን ሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ዝተኸተለ ይኸውን፣
5. ኩሎም ዘጋታት ኣብ ትሕቲ ቅዋም ንመንግስቲ ምድጋፍን ምቅዋምን መሰሎም ሕልው ኮይኑ፡
ክመርጹን ክምረጹን ከኣ መሰል ይህልዎም፣

4.1.4. ሰብኣዊ መሰላት፦
1. መባአታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘይገሃስ ባህርያዊ ትዕድልቲ ምዃኑ ምእማንን ምክልኻልን፣
2. ጾታዊ ፍልልይ ዘወገደ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳይ ብሕጊ ሕሉው ይኸውን፣
3. ነጻ ዝዀነ ህዝባውን ነቃባው (ስቪላውን) ማንሕበራትን ሰብኣዊ መሰላት ዝከላኸሉ ውደባታት
ምፍቃድ፣
4. ኤርትራዊ ዜጋ ዝደለዮ ሃይማኖታዊ እምነትን ፖለቲካዊ ስነሓሳብን ክኽተል መሰሉ ምኽባር፣ አብ
ኣውራጃ፡ ብሄረ-ሰብ፡ ዓሌት፡ ወይ ጾታ ዝተሞርከሰ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ምውጋድ፤
5. ኩሎም መሰረታውያን ኣድማሳውያን ሰብኣዊ መሰላት ደቂ-ሰባት ኣብ ሕገ መንግስቲ (ቅዋም)
ክሰፍሩን ኣብ ግብሪ ክውዕሉን ምርግጋጽ፣
6. ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ በርጌሳዊ ማሕበራትን ሞያዊ ትካላትን ብሕጊ ክቖማን፡ ስርሐን
ብምሉእ ነጻነት ከካይዳን ምፍቃድ፣
7. ዝዀነ ይኹን ናይ ሕጊ እሱር ነብሱ ንምክልኻል መሰሉ ሕልው ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኢ-ሰብኣዊ
መርመራታት ንኸይካየድ ምውጋድ፣

4.1.5. መሰል ብሄረ-ሰባት
1. ብሄረ-ሰባትን ካልኦት ማሕበራዊ ጉጅለታትን እቲ ክንምስርቶ እንቃለሰሉ ዘለና ዘይምእኩል
መንግስታዊ ትካልን ምምሕዳራትን ብዝሕነት ናይ ሕብረተ-ሰብናን ሓድነቱን ማእከል ዝገበረ እዩ
ክኸውን። አብ ኣውራጃ፡ ብሄረ-ሰብ፡ ዓሌት፡ ወይ ጾታ ዝተሞርከሰ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ምውጋድ፤
ስለ ዝዀነ፣ 2. ሓድነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ንምውሓስ፡ ብሄረ-ሰባውን ቋንቋውን ኤተኒካውን ሃይማኖታውን ባህላውን ማዕርነት ምርግጋጽ ገለ ካብቶም መሰረታውያን ረቛሒታት እዮም፣
3. ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ትካላትን ሃገራዊ ምምሕዳራትን ፍትሓዊ ተሳትፎ ብሄረ-ሰባትን ካልኦት ማሕበራዊ ጉጅለታትን ምርግጋጽ፣
4. ኩሎም ክፍልታት ሕብረተ-ሰብና ባህሎም ይኹን ታሪኾም ከምኡ’ውን ቋንቋኦም ናይ ምዕቃብን
ምምዕባልን መሰሎም ሕልው ይኸውን፣
5. ኣብ ዝኾነ ቦታ ንዘሎ ኤርትራዊ ክብሩን መሰሉን ምውሓስ፣

4.1.6. ዝምድና መንግስትን ሃይማኖትን
1. መንግስቲ ኤርትራ ዕልማናዊ (secular state) ኮይኑ መንግስትን ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ይዀኑ፣
2. ኩሎም ሃይማኖታትን እምነታትን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ’ዮም፣ ሃይማኖታዊ ትካላት ናይ ገዛእ
ርእሶም ውሽጣዊ ምምሕዳር ይህልዎም፣
3. መንግስቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃይማኖት ወይ ሃይማኖት ኣብ ውሽጢ ጉዳያት መንግስቲ ጣልቃ
ዘይምእታው፣
4. መንግስትን ሃይማኖትን አብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ዘይተኣታተዉ ኮይኖም፡ አብ መንጎ መንግስትን
ሃይማኖትን ዝህሉ ዝምድና አብ መትከል ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመርኰሰ ይኸውን፣

4.1.7. ቋንቋ
1. ትግርኛን ዓረብኛን ናይ ውድብና ናይ ስራሕ ቋንቋታት ኮይኖም ኩሎም ናይ ኤርትራ ቋንቋታት ማዕረ ቦታን ክብርን ተዋሂብዎም ክምዕብሉ ምግባር፣
2. “ብሄረ-ሰባት“ ኤርትራ ቋንቋኦምን ባህሎምን ንምምዕባልን ብቋንቋኦም ንምምሃርን መሰሎም
ሕልው ይኸውን። ኲነታት ብሄረ-ሰባት ኣብ ኤርትራ ብግቡእ ክጽናዕ ኣለዎ!!!

4.2. ቁጠባዊ መዳይ ሃገርና ኤርትራ፣

ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ወዲቑ ንዘሎ ቍጠባ ኤርትራ ንምብርባር፣ ዘይተመጣጠነ መነባብሮ ህዝቢ ምምዕርራይን ድልዱል ሰረተ-ቍጠባ እትውንን ብልጽግቲ ሃገር ምህናጽ ኣውራ ጠመተ ውድብና ኢዩ። ናብዚ ዕላማ ንምብጻሕ፡ ብሓደ ወገን ግዳይ ድኽነትን ስቓይን ንዝኾነ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተ-ሰብና፡ ኣፍራዪ ዓቕምታቱ ዓብዩ ጻምኡ ዝሓፍሰሉ ኩነታት ምጥጣሕ፣ ዘይምዕሩይ መነባብሮ ህዝቢ ምምዕርራይን ንውጹዓት ወገናት ሕብረተ-ሰብ ፍሉይ ትኹረት ዝህብ መደባት ምሕንጻጽን ምትግባርን ክኸውን እንከሎ፤ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ቅኑዕ ምጣኔ -ሃብታዊ/ቍጠባዊ ፖሊሲ ብምኽታልን ንሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ኣውፈርቲ ምትብባዕን አብ ዕብየት ምጣኔ-ሃብታዊ/ቍጠባዊ ኤርትራ እወንታዊ ግደ ክህልዎም ዕድል ምኽፋትን እዩ። ምስ ዚ ተተሓሒዙ አብ ዞባናን ኣህጉርናን ብኣወንታ ከዋስኣና ዝኽእል ቊጠባዊ ፖሊሲታት ብክኢላታት ተጸኒዑ ከምዝትለም ክግበር’ ዩ። ቀንዲ ጠለባት ናይዚ ዝሰፍሐ ክፍሊ ህዝብና ምምላስን ሃገራዊ ልምዓት ምዕዋትን ክኸዉን እዩ። ኣብ ክሊ’ዚ ተረድኦ’ዚ ድማ ኣብ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ንግዲ፡ ኣብ ዋንነት መሬት ጉዳያት ብዝምልከት ክትግበሩ ኢልና እንሪኦም፣

ብኸም’ዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
1. ፖሊሲ ምዕሩይ ሃገራዊ ልምዓት ምኽታል። መነባብሮ ህዝቢ ደረጃ ብደረጃ ዘመሓይሽን ንዜጋታት ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ዘይተመጣጠነ ቁጠባዊ ኩነታት ደረጃ ብደረጃ ዝፍውስን ክኸውን ብሓፈሽኡ ግን ፍትሓዊ ዝኾነ ኣገባብ ኣዘራግሓ ሃገራዊ ሃብቲ ምጥቃም፣
2. ብዝተጸንዐ ምጣኔ ሃብታዊ መደብ ናይ ሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ሓባራውን ብሕታውን ወፍሪ
ርእሰ-ማል ምፍቃድን ምትብባዕን ንዕኡ ዘገልግልን ዘተባብዕን ከምኡ’ውን ዘውሕስን ምሕጋግ፣
3. ኣብ ቁጠባዊ መዳይ እንኽተሎ ፖሊሲ ሕውስዋስ ስርዓተ ቁጠባ (mixed economy) እዩ፣
4. ንጡፍን ቀጻልን ምጣኔ-ሃብታዊ/ቍጠባዊ ምዕባለ ዘሳልጡ ትሕተ-ቅርጽታት ምውዳድ። ንኣብነት
ናይ ማይ፡ ጸዓት (Energy) ንዘመናዊ መራኸቢታትን ንመጻኢ ምዕባለ ዘማዕደወ ከም ዝኸውን
ምግባር፤
5. ዝዀነ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኤርትራ መሰል ንብረት ምውናንን ምሻጥን ምውራስን ብሕጊ
ምውሓስ፣ ኣፍራይነት ታሕተዎት ክፍልታት ሕብረተሰብና ንምትብባዕን ስራሕ ኣልቦነት ደረጃ
ብድረጃ ንምቅላልን ንናኣሽቱን ማእከሎትን ኣፍረይቲ ትካላት ብሕጊ ምትብባዕ፣
6. ዜጋታት ንመንግስቲ ዝኸፍልዎ ግብሪ ምስ ደረጃ ዕብየት እቶቶም ዝመጣጠንን ዝፈላለን ክኸፍሉ።
ግብሪ/ቀረጽ ብምእካብ ዝርከብ እቶት አብ ሃገራውን ህዝባውን ኣገልግሎት ከም ዝውዕል ምግባር፤
7. ሞያዊ ትምህርቲ ክብ ዝብለሉ ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ምስራዕ በዚ ኣቢልካ ከኣ ኣፍራዪ ዓቕሚ
ሰራሕተኛ ህዝቢ ንምምዕባል ምጽዓር፤
8. አብ መንጐ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ዝህሉ ዝምድና፡ ብሕጊ ዝተወሰነ ክኸውን ምቅላስ። ደሞዝ
ሰራሕተኛታት፡ ምስ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ዝመጣጠን ክኸውን፤ ዝተሓተ ደሞዝ
ሰራሕተኛ ብሕጊ ከም ዝውሰን ምግባር፤
9. ብምዕባለ ዘይተመዓራረያ ክፍለ-ምምሕዳራት ፍሉይ ትዅረት ከምዝረኽባ ምግባር። ነፍስ-ወከፍ
ክፍለ-ምምሕዳር/ኣውራጃ፡ ተዛማዲ ነብሰ ምሕደራ ሃልዩዋ ምስቲ ሓፈሻዊ ኣንፈት ምጣኔ ሃብታዊ
ፖሊሲ ሃገር ዝሰማማዕ ናይ ባዕላዊ ቍጠባዊ ምምሕዳር ከተማዕብል ምፍቃድ፤

4.2.1. ሕርሻዊ መዳይ
1. ሕርሻዊ እቶት ንምክዕባት ዘመናዊ ኣገባብ ሕርሻ ምትእትታው፣
2. መነባብሮ ህዝቢ ገጠር ንምምዕባል፡ ንልምዓት ገጠር መሰረታዊ ትዅረት ምሃብ። ፍርያምነት መሬት
ንምውሓስ ፍግረ መሬት ምክልኻል፣
3. ሓደጋ ምድረበዳ ንምክልኻል ፖሊሲ ምግራብ ምኽታል፣
4. ሰበኽ ሳግም ብናታቶም ድልየት ኣብ ቀዋሚ ሕርሻዊ ከባቢ ንምጥያስ ምጽዓር፣
5. ሃገርና ናብ ኢንዱስትሪያዊ ኢኮኖሚ ንምስግጋርን ንሰራሕተኛ ህዝብና ዘማዕብልን ሕጊ ምሕንጻጽ፣

4.2.2. ሃብቲ ባሕሪ
ንስትራተጂያዊ ኣቀማማጣ ሃገርና አብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ባሕሪ ዝተእሳሰረ ፖሊሲ ወፍሪን ንግድን ዝተተሓሓዘ ከምኡውን ኣገልግሎት ግምሩክን ፊናንስ ወደባት ምምዕባል። ኤርትራ ንቱርዝም ዝጥዕም ቅርጺመሬትን ነዊሕ ገማግም ባሕርን ስለዘለዋ፤ ውድብና፡ ንቱሪዝም ዘሐይሉን ዘገድሱን ፖሊሲታት ብምሕንጻጽ ቱሪዝም ቀንዲ ሞሶብ ቁጠባ ኤርትራ ንምግባሩ ብስነ -ፍልጠታዊ መንገዲ ከማዕብሎ ክጽዕር ኢዩ።
1. ሃብቲ ባሕሪ ካብ ዝኾነ ዓይነት ብከላ ዝከላኸል ፖሊሲ ምኽታል፣
2. ሃብቲ ባሕሪ ኣብ ዕብየት ህዝባውን ሃገራውን ቁጠባ ዓቢ ግደ ክህልዎ ምግባር። ንገፈፍቲ ዓሳ
ክእለቶም ከምዘዕብዩ ብምግባር ብምዕቡል ኣገባብ ዓሳታት ብምፍራይን ብምግፋፍን ናይ ሰደድ
ዓቕሚ ምዕባይ፣
3. ባሕርን ደሴታትን ንዘቤታውን ግዳማውን በጻሕቲ ሰሓብነት ክህልዎ ምግባር፣
4. መሰል ዜጋታት ገፈፍቲ ዓሳ ምሕላው። ክእለቶም ንምዕባይ ምስራሕ፣

4.2.3. ንግዳዊ መዳይ
1. ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእን ዘቤታዊ ዕዳጋታት ንምርግጋእን ሰደድ ንምዕባይን ዝዓለመ
ንግዳዊ ፖሊሲ ምኽታል፣
2. ውሽጣዊ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ብስሉጥ ንምዕባይን ደገኣዊ ወፍሪ ርእሰማል ንምስሓብን
ምድራውን ባሕሪኣውን ኣየርን ትሕተ ቅርጻታት ምምዕባል፣
3. አብ ውሽጥን አብ ግዳምን ወፍሪ ንምትብባዕ ሕጋውን ምምሕዳራውን ጸገማት ምእላይ፣
ማሕለኻታት ብልሽውና ንምውጋድ፤ ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንድ) ዝኽልክል ሕግታት ምሕንጻጽ፣

4.2.4. ዋንነት መሬት
1. ሕቶ መሬት እቲ መሰረትዊ ናይ መነባብሮ ባእታ እዩ። ኣብ ኤርትራ ድማ ዋና ዘይብሉ መሬት የለን።
ስለዝኾነ ዋንነት መሬት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዋናታቱ ዝኾኑ ህዝቢ ይጸንዕ፣
2. ብመንግስቲ ብሃገራዊ ደረጃ ኣገዳስነቱ ንዝተኣምነሉ መስመራትን ትካላትን እስትራተጅካውነቱ እተራእየ ፍሉይ ምንጪ መሬት ኣብ ክሊ ብሩህ ሕጋዊ ቀይድታት ክቆጻጸሮን ዝክእለሉ መደብ ይንጸር ንዋናታት መሬት ከኣ ፍትሓዊ ኣገባብ ተጠቂሙ መሕውዪ ክህብ ይግባእ፣
3. ብስርዓት ህግደፍ መሬቶም ዝተመንዝዑ ኤርትራውያን ብሕጋውን ፍትሓውን መንገዲ መንግስቲ መሕወዪ ክፍሊት ይገብር፣

4.2.5. መሬት ከተማን ኣባይትን
1. ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ፡ ብዘመናዊ ኣገባብ ኣባይቲ ምህናጽ፣
2. ከተማታት ደረጃ ብደረጃ ንምስፋሕን ምምዕባልን፡ ኣብ ከተማታት ጽበት ንምፍታሕን፡ ንረብሓ ዝሰፈሐ ህዝቢ ዘገልግል ዘመናዊ ውጥን ከተማታት ምኽታል፣ 3. ንዕብየት ከተማታትን ምዝርጋሕ ትሕተ ቅርጻን ኣብ ዝግበር ልምዓት ንዝተጎድኡ ዜጋታት ወነንቲ መሬት፡ ወይ ትካላት፡ መንግስቲ ብፍትሓዊ ካሕሳ የሕዊዮም፣

4.3. ማሕበራዊ መዳያት
1. ናይ ሰራሕተኛታት ዝተሓተ ደሞዝ ኣብ ሞንጎ ኣስራሕትን ማሕበር ሰራሕተኛታት ብዝግበር ውዕል
ይውሰን። ናይ ሰራሕተኛታት ዝተሓተ ደሞዝ ብሕጊ ምውሳን፣
2. ንማዕረ ስራሕ ብዘይ ጾታዊ ኣፈላላይ ማዕረ ደሞዝ ምኽፋል፣
3. መሰል ጥሮታ ዝሕልው ሕጊ ምሕንጻጽ፣
4. ማሕበር ሰራሕተኛታት ብሕጊ ክቐውምን ንመሰል ሰራሕተኛታት ዝጣበቕ ሕጊ ክህልዉ ይግበር፣
5. ስድራ-ቤት ስዉኣት (ኣብ ኩሉ መድረኻት ቃልሲ ዝተሰዉኡ)ዝእለይሉ መንገዲ ምፍጣር፣
6. ናይ ኲናት ሓደጋን ባህርን ስንክልና ዘለዎም ዜጋታት ደገፍ ዝረኽብሉ ባይታ ምጥጣሕ፣
7. ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያን ዝእለይሉ ማእከል ምቛም፣
8. ዘኽታማት ህጻናት ዝእለይሉን ዝናበይሉን ዝዓብይሉን ማእከላት ምዕባይ ፡ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ምምስራት፣
9. ህጻናት ንጥዕኦንም ኣብ ዝጎድእ ሕሱር ስራሕ ከይሰርሑ ብሕጊ ምኽልካል፣
10. ስደተኛታት ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ብወለንትኦም ዝምለስሉን ዝጣየስሉን ጥጡሕ ኩነታትን ምፍጣር፣
11. ሰበኽ ሳግም መነባብረኦም ንክመሓየሽ መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምትታት ይወስድ፣

4.3.1. ትምህርታዊ መዳይ
1. ምዕቡል ሕብረተ- ሰብ ንምፍራይን ጎዳኢ ልምድታት ዝዉግድን ምዕቡል ኣካዳምያውን ተክኒካዉን ሃገራዊ ስርዓተ ትምርቲ ምሕንጻጽ፣
2. ኣገልግሎት ትምህርቲ ከም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሕጊ ክሰፍር፣ ንመባእታዊ ትምህርቲ
ዘገድድ ሕጊ ክህሉ፣
3. ቴክኖሎጂ ንረብሓ ህዝቢ ብዘገልግል መንገዲ ምትእትታው፣
4. ንወግዓዊ ቋንቋ ዝምልከት ብህዝቢ ይውሰን ፣ ብሕጊ ኸኣ ውሑስ ይኸውን፣
5. ምስ ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ ዘይጋጮ ብሕታዊ ትምህርቲ ምፍቃድ፣

4.3.2. ክንክን ጥዕና
1. ምክልካልን ምቁጽጻርን ሕማማት ቀዳምነት ዝሃበ ሕክምናዊ ፖሊሲ ምኽታል፣
2. ኣገልግሎት ጥዕና ከም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ምቕባል። ንኩሎም ዜጋታት ንክባጻሕ ከኣ ምጽዓር፣
3. ንህዝቢ ቡቑዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብምቕራብ ንጡፍ ስራሕ ምክያድ፣
4. ህዝቢ ናይ መድሃኒትን ሕክምናን ክረኽበሉ ዝኽእል ዕድላት ምፍጣር። ንዋጋ መድሃኒትን ሕክምናን ዝምልከት መንግስቲ ብመልክዕ ድጎማ ንጽጉማት ክሕግዝ ይግባእ፣

5. ንጥዕና ሓደገኛ ዝዀኑ ጠንቅታት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ብፍላይ ተላገብቲ ሕማማት ኣስተምህሮ ምሃብ:
6. ባህላዊ ናይ ሕክምና ንጥፈታት ንምምዕባል ኣድላዪ` መጽናዕትታት ምክያድ፣ ከምኡ’ውን ባህላዊ ሓካይም ክምዕብሉሉ ዝኽእሉ ናይ ምልመላ ዕድላት ምፍጣር፣
7. ብሕታዊ ናይ ሕክምና ትካላት ምፍቃድ፣
8. ኣብ ገጠራት ኤርትራ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይ ንምዝርጋሕ ምጽዓር፣

4.3.3. መሰል ደቂኣንስቲዮ
1. ንቓባዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ክቕውም ብሕጋዊ መንገዲ ምርግጋጽን ንመሰለን ዝቃለሳሉ ምቹአ
ቦይታ ምፍጣርን፤
2. ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ሂወት ብማዕርነት ክትሳተፍ መሰላ ብሕጊ ምርግጋጽ፣
3. ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ደቂ-ኣንስቲዮ ምሉእ ደሞዘን ዝኽፈላሉ መሰል መጠነ-ዕርፍቲ ብሕጊ
ምውሳን፣
4. ንሓርነት ጓል-ኣንስተይቲ ዝጻረሩ ባህላውን ማሕበራውን ልምድታት ምውጋድ፣
5. ደቂ-ኣንስትዮ ርእሰን ክረድኣሉ ዝኽእላ ናይ ሓባር ስራሓት ከቑማ መሰለን ምሕላው፣

4.3.4. መሰላት መንእሰያት
1. ማሕበር ናይ ምቛም መሰል ምዕቃብን ምትብባዕን፣
2. ብሰላማዊ መንገዲ ሓሳባቶም ክገልጹን ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩን መሰሎም ሕልው ምግባር፣
3. ናይ ስፖርት ክለባትን ማእከላትን ክምስረቱ ምግባር፣
4. ብዘይ ጾታዊ ኣፈላላይ ኣብ ኩሉ ዓይነታት ስፖርትታት ክሳተፉ ዘተባብዕ ባይታ ምፍጣር፣

4.3.5. መሰል ሰራሕተኛታት
1. ናይ ሰራሕተኛታት መሰላትን ጥቕምታትን ዝሕሉ ነጻ ንቓባዊ ማሕበር ናይ ምቛም መሰል ምሕላውን
ምትብባዕን። ሰራሕተኛታት ብእኩብ ኩነታት ስራሖምን ደሞዞምን ፍትሓዊ ንክኽወን ክቃለሱ
ምቹአ ባይታ ምፍጥር፣
2. መሰል ናይ መወዳእታ ሰሙን ይኹን ዓመታዊ ዕረፍቲ ምስ ምኽፋል ምሉእ ደሞዝ ምርግጋጽ፣
3. ሞያዊ ትምህርቲ ክብ ዝብለሉ ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ምስራዕ በዚ ኣቢልካ ከኣ ኣፍራዪ ዓቕሚ
ሰራሕተኛ ህዝቢ ንምምዕባል ምጽዓር፣
4. ሰራሕተኛ ፣ ዝሰርሑሉ ኣብያተ ስርሓት ንጥዕነኦም ዝሕሉ ክኸውን፣
5. ኣብ ስርሖም ጉድኣት ንዘጓነፎም ናይ መነባበሪኦም ውሕስነት ክሕለወሎም ምርግጋጽ፣

4.3.6. መሰል ሓረስቶት፥
1. ሓረስቶት ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ሃገርና ምሉእ ተሳትፎ ከረጋግጹን፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ነጻ ዝዀነ ንቓባዊ ማሕበር ከቑሙን፣

2. ሃገራዊ እቶት ክብ ንምባልን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽን፣ ሓረስቶት ኣብ መስርሕ ሕርሻዊ
ጽገናታት ንጡፍ ግደ ከም ዝህልዎምን መሰላቶም ምዃኑን ምርግጋጽ፣
3. ፍርያቶም ኣብ ዕዳጋ ናይ ምውድዳር ብቕዓቶም ንምዕባይ ምጽዓር፣
4. ኩነታት መነባበሪኦም ንምምሕያሽን ናይ ማእቶት ክእለቶም ክብ ንምባልን ሓረስቶት ዝምልምል
ዕድላት ምኽፋትን መደባት ምስራዕን፣
5. ሰበኽ ሳግም ብናታቶም ድልየት ኣብ ቀዋሚ ሕርሻዊ ከባቢ ንምጥያስ ምጽዓር፣
6. ነቶም ብመጓሰ ዝናበሩ ክፍልታት ህዝብና አብ ግምት ብምእታው መሰላቶም ምክልኻል፡ ንዕቤት
መነባብሮኦም ዝሕግዝ ንመጓሰ ዝምችእ ኩነታት ምፍጣርን ዘመናዊ ምርባሕ እንስሳታት
ምትእትታውን፣

4.3.7. ኣብ ባህላዊ መዳይ
1. ጸረ ስራሕን ናብ ምዕብልና ዘየምርሕ ባህልን፡ ከማኡ’ውን ጎዳእቲ ባህልታትን ልምድታትን ዝኾኑ
ንምውጋድ ምጽዓር፣
2. ምጽውዋርን ምክኣኣልን ዝመለለይኡ ዲሞክራስያዊ ክብርታትን ልምድታትን ክዕንብቡ ምጽዓር፣
3. ሓድነት ብሄረ-ሰባት ኤርትራ ዘደልድል ባህሊ ስኒት ምትብባዕን ምምዕባልን፣
4. ኣብ ምዕባለ ባህልና ርኡይ ተራ ዝጻወቱ ስነ-ጽሑፋትን ተዋስኦታትን ሙዚቃን ስእልታትን ውዘተ
ኩሎም ስነ-ጥበባዊ ፍልጠታት ክልመዱን ክምዕብሉን ምትብባዕ፣
5. ናይ ስነ ጽሑፍን ትያትርን ኪነትን ንጥፈታት ንምስፍሕፋሕ ናይ ባህሊን ኪነትን መደበራት ኣብያተ
ንባብን ምቛም፣
6. ታሪኻዊ ቤተ መዘክር ምምስራት። ፍሉያት መለለይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጥንታውያን ታሪኻዊ
ቅርስታትን ብግብኡ ክተሓዙን፡ ደቂቅ ሳይንሳዊ መጽናዕትን ምርምርን ክግብረሎም ምግባር፣

5. ሓይልታት ምክልኻል ሃገር
ዕላማና ሰላምን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ምህናጽን ኣብ ዞናና ሰላምን ርግኣትን ንምርግጋጽ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ምስ ጎረባብቲ ዝኾና ሃገራትን፣ መንግስታትን፣ ኣብ ጽቡቕ ጉርብትናን ሕውነታዊ ምሕዝነትን ዝተመርኮሰ ዝምድናታት ንምፍጣር ብኹሉ እንውንኖ ዓቕሚ ምስራሕ ይኸውን። ከምኡ’ውን ብውግእ ንዝዓነወት ሃገርና
ንምህናጽ ኩሉ ዓቕምታትና ኣብ’ቲ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ዳግመ ህንጻ ዕማማት ክንጸምዶ ምጥላብ፡ ካብ’ዚ ብምብጋስ ዕላማና ናይ ወጻኢ ሓይልታት ወራራትን ዝከላኸልን፣ ሕገ መንግስትን ፣ሕገ መንግስታዊ ትካላትን፣ ዝሕሉን ኣብ ማእቶት ዝሳተፍ ሃገራዊ ሰራዊት ምህናጽ እዩ። እዚ ከኣ በዚ ዝስዕብኣገባብ ይረጋገጽ።

1. ምክልኻል ፡- ንሃገራዊ ቅዋምን ልዑላውነት ሃገርን ህዝብን፣ ከምኡ’ውን፣ ብመሰረት ቅዋምን ሕጊ
ምርጫን፡ ብህዝቢ ንዝተመርጸ መንግስቲ ዝከላኸል፡ ድርዕን ዋልታን ሃገርን ህዝብን ምዃኑ እምነት
ውድብና እዩ። በዚ መሰረት ንረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ዝከላኸልን ዘገልግልን፡ ንብረት ህዝብን
መንግስትን ዝሕሉ፣ ኣፍራዪ፡ ፖሊቲካዊ ሻርነት ዘይብሉ፡ሓይልታት ሃገራዊ ሰራዊት ንምቛምን
ንምምዕባሉን ብተወፋይነት ክሰርሕ እዩ፣

2. ሃገርን ህዝብን ኣብ ፍጹም ሓደጋ ኣብ ዝኣትወሉ ግዜ፥ ሓይልታት ምክልኻል፣ንድሕነት ህዝብን ሃገርን
ኣብ ምርግጋእን ሰላም ኣብ ምውሓስን ሓላፍነት ይወስድ፣
3. ንሓይልታት ምክልኻል ብሞያዊ ዓይኒ ብምጥማትን ኣፍራዪ ትካል ንምግባሩን ናይ ሓይሊ ምድሪ፡
ሓይሊ ባሕርን፣ ሓይሊ ኣየርን፣ ወታሃደራዊ ኮለጃት ክኸፍትን፣ ዘመናዊ ሞያውን ኣካዳሚያዊን
ስልጠና ከም ዝወሃብ ክገብርን፡ መደብ ማህደረ-ትምህርቲ (scholarship) አብ ግብሪ ከውዕልን
ክቃለስ እዩ፣
4. ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጋውነት እንተዘይ ኮይኑ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሰራዊት
ዘይምልኣኽ፣
5. ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታቱ ንማሕበራዊ ምልኣት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ
ይኸውን። ውልቀ -ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ ክመርጹ መሰል ይህልዎም። አብ ምርጫ ንምውድዳድር
ግን፡ አብ ትካላት ሰራዊት ክሳብ ዝሃለዉ ክምረጹ ወይ ኣባላት ሰልፍታት ክዀኑ ኣይክእሉን፣
6. ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብሞያውያን ሰራዊትን ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክቐውም
ተደላይነት ከም ዘለዎ ብምግንዛብ : ቅዋም ዘፍቅዶ ስሩዕን ዝተጸንዐን ገደባት ግዜ ዘለዎ መደባት
ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝህሉ ክገብር ኣለዎ፣
7. ኣብ ሃገራዊ ሰራዊት ክቅጽሉ ዘይደልዩ ዜጋታት ርእሶም ንክኽእሉ ብሕጊ ዝተቀየሰ ምልመላታትን
ሓገዛትን ይግበረሎም፣
8. ሃገራዊ-ድሕነት ( ስለያ )፡- አብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ንቅዋም ኤርትራ ዝምእዘዝ ሞያዊ ብቕዓት
ዝሰነቐ ኣገልጋሊ ህዝብን ሃገርን ከምዝኸውን ንምግባር ውድብና ተጊሁ ክሰርሓሉ ኢዩ። ሃገራዊ –
ድሕነት ንሃገር ብግዳምን ብውሽጥን ክመጽኣ ንዝኽእል ሓደጋ ብሞያዊ ብቕዓት ዝገጥም፡ ዝከላኸልን ዘበርዕንን ድሕነታዊ ትካል ኮይኑ፣ ናይ ዝኾነ ይኹን ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ጸግዒ ዘይብሉ ይኸውን፤
9. ዝለዓለ ጽፍሒ ምክልኻል (ሚንስተር ምክልኻል) ብስቪል ክመሓደር፣

6. ዝምድናታት ወጻኢ፦ ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሃገራዊ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሰረተ’ዩ። ።
ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ። ነቲ ንሃገርና ካብ ዓለም ነጺሉ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታትና ዝሰርሕ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲታት መላኺ ስርዓት ጨሪሱ ብምሕካኽ፡ ምስ ሃገራት ዓለም፡ ኣውራ ድማ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን መንግስታትን፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ምርድዳእን ዝተሰረተ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ክኽተል
እዩ። ስለዚ ንልዑል ሃገራዊ ረብሓታት ዝጎድኡ ናይ ወተሃደራዊ ስምምዓትን ምሕዝነታትን ካብ ምግባር
ርሒቕና ኣብ ወድዕነትን ተዓጻጻፍነትን ተበላሓትነትን ዝተመርኮሰ ፖለቲካ ክንክተል ይግባእ። ስለ ዝኾነ ናይ ውድብና ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ነጥብታት ዝተመርኮሰ ይኸውን፦
1. ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፤

2. ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡
3. ናይ ሰላምን ዲሞክራስን ኣዕኑድ ብደረጃ ሃገርን፡ ዞባን ዓለምን ምድልዳል ፣ንሽግራት እንፈትሓሉ
ቀንዲ መሳርሒና ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መስርሕ ይኸውን፤
4. ኣህጉራዊ ውዑላትን ስምምዓትን (ቻርተራት) ምኽባር
5. ነጻ ፖለቲካዊ ውሳኔን ልዕላውነት ሃገረ-ኤርትራ ምዕዛዝን ምክልኻልን
6. ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ኣድልዎን ጭቆናን ዝቃለስ ፖሊሲ ምኽታል፤

7. ሓፈሻዊ ጉዳያት
1. ኣብ’ዚ ፕሮግራም’ዚ ሰፊሩ ዘሎ ንምምሕያሽ፡ንምስራዝ ወይ ምቕያር ስልጣን ናይ ጠቕላል ውድባዊ ጉባኤ ውሓኤ ጥራሕ እዩ፣
2. ኣብ’ዚ መደብ ዕዮ’ዚ ኣብ መስርሕ ናይ ትርጉም ምስሕሓብ ምስ ዝፍጠር ማእከላይ ባይቶ ብመሰረት
ሕጋዊ ምልኣት ከመሓይሾ መሰል ይህልዎ
3. ኣብ’ዚ ውሽጢ ሰነድ’ዚ ሰፊሩ ዘሎ ኩሉ ብተባዕታይ ጾታ ይስፈር እምበር ንክልቲኡ ጾታታት
ዘጠቓለለ ኰይኑ ክንበብ ነማሕጽን፣
ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)
ፖለቲካዊ ፕሮግራም
ዕለት፡-12-16 ሕዳር 2021
——————————!!! —————————————————-