ሶሉስ , 6 ታሕሳስ 2022
ሓደሽ ትሕዝቶ

ዝኽሪ መበል 31 ዓመት ነጻነት ኤርትራ

ሎሚ መዓልቲ መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ብዓል ነጻነት ኤርትራ ከነብዕል ከለና፣ ነቲ ህዝብናን ደቁን ከይተሐለሉ ዘካየድዎ መሪርን ሰፍ ዘይብል ከቢድ ጾር ቃልስን፣ ዝተኸፍለ መዘና ዘይብሉ ክቡር መስዋእትን ስንክልናን ብምዝካር፣ እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ከአ መደምደምታ ምዕራፍ ብረታዊ ተጋድሎ ዝተገብረሉ ጅግንነታዊ ታሪኻዊ ዕለት ብምዃኑ ኢዩ። እወ አንጻር ኩሎም ሐያላት መኪቱ ዝሰዓረ፣ ነዚ ጅግና ኤርትራዊ ህዝቢ’ዚ ኣድናቖትና ወትሩ አብ ቦትኡ ኢዩ። ኩሉ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ አብ ቃልሱ ብተግባር ዘመስከሮ ፍጻሜታትን፣ ሐርበኛዊ ታሪኻዊ ጅግንነትን ከአ፣ ብህሉውን መጻኢን ወለዶታት ክዕቀብ ዝግብኦ’ምበር፣ ብግዜ ምምራርን፣ ብመድረኻዊ አሉታዊ ተረኽቦታትን ምኽንያት ብምግባር፣ ሚዛኑ ከቶ ክጎድል ኮነ ክቕየር ዘይክአል ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ በይኑ፣ ነቲ አብ አፍሪቃ መወዳድርቲ የብሉን ዝተባህለሉ ሐይሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያን፣ ማእለያ ዘይብሉ ዘዕጥቕዎ ደገፍቱን፣ ብዝሑን ዓቐኑን ብዘየገድስ፣ አብ ፈቐዶ ጎቦታትን ጎላጉልን እንዳሐምሸሸ፣ ነቲ ክሳብ ኮራርምቱ ዝዓጠቖ ዘመናዊ አጽዋራቱን ታንክታቱን መዳፍዑን ከአ እንዳመንዝዔ፣ ዕጥቂ ሰውራና ብምግባር፣ ካብ ገጽ መሬት ኤርትራ ብምድምሳስ፣ ዲኖ ህበይ ብምልባስ አሕፊሩ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝጸራረጎ ዓለም ብዓለሙ ዝመስከሮ ነባሪ ታሪኻዊ ሐቂ ኢዩ።

መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ካብ ሱሩ ተማሕዩ መደምደምታ ምብጽሑ ከኣ፣ ናይ ሐደ ውሱን መድረኽን ዝተወሰነ ሐይሊን ስርሒት ዘይኮነስ፣ ካብ ምጅማር ፖለቲካዊ ተጋድሎ ኣትሒዙ ክሳብ ፍጻሜ ብረታዊ ተጋድሎ ኤርተራ ናይ ዝነበረ መድረኻት ዝተዋስአ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፣ ብናይ ምሉእ ተሳትፎ መላእ ሐፋሽ ህዝብናን ዝተኻየደ መሪር ቃልሲታትን መስዋእትን አበርክቶን እኩብ ድምር ውጽኢታትን ኢዩ። ነዚ ብጽንዓትን መኸተን ህዝብናን ደቁን ዝተረጋገጸ ነጻነትና፣ ናቱ ታሪኻዊ ዋናን ሰራሒን መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዃኑ፣ ከም ህዝቢ ዘኹርዖን ዝሕበነሉን፣ ወትሩ’ውን ከይተሐለለ ብትሪን ጽንዓትን ክዕቅቦ ዝቃለሰሉ ታሪኻዊ ፍጻሜ ኢዩ። ነዚ ሐቂ’ዚ ከአ ጸላእትን ፈተውትን ነጻነትና ብዘየወላውል ክግንዘብዎ ይግባእ።

ርግጽ ኢዩ እቲ ብውድብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ዝተመርሔ፣ ብጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተ’ውን ዝተጀመረ፣ ብጅግና ሰራዊት ሐርነት ኤርትራ ከአ ዝተፋረቐን መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎና፣ ዝተፈላለየ ውሽጣውን ደጋውን ዕንቅፋታትን ሓጎጽጎጻትን ይንበሮ’ምበር፣ ህዝብናን እቶም ውፉያት ክምህ ዘይብሎም ተባዓት ሐርበኛታት ደቁን ተሪር መኸተኦም ብምሕያል፣ ንመላእ ሕብረተሰብ ዓለም ዘደነቐ መስተንክራዊ ቅያን ጅግንነትን ዝመልኦ መስርሕ አካይዶም ኢዮም። ነዚ ምርኩስ ብምግባር ከአ ምዝዛም ብረታዊ ሰውራና ብውድብ ህዝባዊ ግንባር ሐርነት ኤርትራ ተመሪሑ፣ ብጅግና ዝኾነ ህዝባዊ ሰራዊት ሐርነት ኤርትራ አብ ወርሒ 24 ግንቦት 1991 ዘኹርዕ ታሪኻዊ ፍጻሜን መደምደምታን ተጌሩሉ ኢዩ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ ነጻነት “ዘይሐሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምረቓ” ከም ዝተባህለ፣ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራን ተጋደልቲ ደቁን ንዋጋ ቃልሶምን መስዋእቶምን ጻማ ዘይክሕስ፣ ንባህጎምን ሕልሞምን ከአ ኣበርዒኑ ዝድምስስ፣ ካብ ድሌቶምን ትምኒቶምን ወጻኢ ዝኾነ ናጤባ ድአ ወረዶም! ንፍረ ጻማ ታሪኻዊ መስዋእቲን ስንክልናን ኤርትራውያን እንዳሽረፈ ዝምዝምዝን ዝብለጽን፣ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፈወርቂ ዝብሓቶ ውልቀ ምልኪ ዝነገሶ ገባቲ ዝኾነ ናይ ማፊያ ጉጅለ ብምድኳን። ህዝቢ ኤርትራን ደቁን ቀሲኖም ብሰላም ሃገሮም መታን ከይሃንጹ፣ አብ ኩሉ መሰረተ ቁጠባ ናይታ ሃገር ቀንዲ ገባቲን ተጫራቲን ብምዃን: ነጋዳይ ከይነግድ፣ ሐረስታይ ምህርቲ ማሕረሱ ሐፊሱ ከይንቀሳቐስ ብምእጋድ፣ ንሃይማኖታዊ ቤተ እምነታት ትካላት ከም ልቦም ንአምላኾም ከየምልኹ ሓርነቶም ገፊፉ፣ ተስፋ ሃገር ዝኾኑ ምሁራት መማህራን በቲኑ፣ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ዝተሐተ ደረጃ ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ አትዮም ከይፈርዩን ከይዕምብቡን ብምቕጻይ: ብሩህ መጻኢኦም ኣብ ፈቐዶ ማዓስከራት ወትሃደራዊ ኣጋልግሎት ብምዱኳን፣ እታ እንኮ ዝነበረት ዩኒቨርሰርቲ አስመራ ዓጽዩ፣ ሃገር ብሃገራ ናብ አብያተ ማእሰርቲን ወተሃደራዊ መዓስከርን ቀዪሩ ናብ ዲቕ ዝበለ ድኽነትን ማሕባራዊ ሕሰምን ክቃላዕ ጌሩዎ እዩ።

መንእሰያት እቲ ኣቦታቶምን አደታቶምን ብመስዋእቶም ዘረጋገጽዎ ነጻነት፣ ንውግእን ወረ ውግእን ዝወገደት፣ ነጻ መሬትን ሓራ ህዝብን ዝወነነት ትስፍውቲ ኤርትራ ክትኮኖሎም፣ ብሰላም ቀሲንና ክንነብረላን ንሕና’ውን ናብ ዝለዓለ ስልጣኔን ምዕብልናን ክንውንጭፋ ኢና ዝብል ሕልሞምን ባህግታቶምን ኮነ ተባሂሉ ድሎ ብድሎ ከም ዝዘራረግ ተጌሩ። ከም ውጽኢት እዚ እኩይ ዝኾነ ናይ ውልቀ ምልካዊ ሽርሒ መደብ ምብትታንን ምዝርራግን መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ከአ፣ መንእሰያትና ተስፋ ከም ዝቖርጹን ንኣደዳ ስደትን ሞትን ከም ዝቃልዑ ድአ ተገብረ።

ተንኮለኛን እከይን መደባት ስርዓት ኢሳያስ ናይ ወለዶ ፍልልይ ጋግ ጥራሕ አይኮነን ፈጢሩ፣ የግዳስ እቲ ብቓልሲ ዝተሃንጸ ጅግንነታዊ ታሪኽን፣ ናይ አቦታቱ ግሩም ወረጃን ጭዋን ዝኾነ ባህሊን ልምዲን ብቕኑዕን ሃናጺን ምቅብባል ክወራረስ ዝግብኦ ስለዘይተኻእለ፣ አብ አተሐሳስባን ናይ ሃገራዊ መንነት ሰረት ተረድኦን አፍልጦን እንተኾነ’ውን ዓቢ ፍልልይ ጋግ ፈጢሩ ኢዩ። ከም ውጽኢት ሳዕቤን ናይዚ ኩሉ ከአ፣ እንሆ ነቲ ታሪኽ ሃገራዊ መንነቱን ባህሉን ብግቡእ ወሪሱ ንኽፈልጥ ዕድል ዘይረኸበ መንእሰይ ወለዶና፣ ንምረትን ከቢድ አርዑት ምልካዊ ጭቆና ስርዓት ኢሳያስ ፈልዩ ኣብ ክንዲ ከጋንዝብ ዝግብኦ: ምስ ታሪኽን ጅግንነታዊ መስዋእትን አቦታቱ ኣብ ሕድሕዱ ዘይምርድዳእ ክፈጥረሉ ኪእሉ እዩ። ንኤርትራዊ ሃገራዊ መንነቱ ከአ ዝፈታተኖ ምድረኽ ወይ ድማ ወስታታት ዘብዝሕ ተስፋ ዝቖረጸ አካል መንእሰይ አይተፈጥረን ክንብል አይንኽእልን። ኩሎም ናይ ቀረባን ርሑቕን ዝኾኑ ተጻባእቲ ህልውና ኤርትራዊ ሃገራዊ ልዑላውነትና፣ ነዚ ድኹም ኤርትራዊ ጎኒ’ዚ ብምጥቃም፣ አብ ረብሐታቶምን ጠቕሞምን ንምውዓል፣ ነዚ ጋግ’ዚ ከም ቀንዲ መሳርሒኦም ተጠቒሞም ክግልገልሉ ዝኽእሉ ዕድላት ከምዝፈጥረሎም ክንርዳእ ይግባእ።

ኢሳያሳዊ በታኒን ዘራጊን ስርዓት አብ ክቢ ሸንኮለልን ጠምበርበርን ዘንብር፣ ንህዝቢ ኤርትራን ደቁን ነጻ ኮይኑ መዓልታዊ ሂወቱ ከይገብር፣ ሃገሩ ከአ ብሰላም ቀሲኑ ከይሃንጽ፣ እቲ እንኮ ንዕድመ ስልጣኑ ከቐጽሎ ዝኽእል፣ አብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ሕድሕድ ምትእምማኑ በቲኽካ ሕድሕዱ ከም ዝጫኻኸንን ከም ዝክሓሕድን ዝግብር ሜላ ብምትእትታው፣ ውግእን ወረ ውግእን መናፍሕ ብምዝርጋሕ፣ ብራዕዲን ሽበራን ሐላሊኹ ዝቕይድ ማፊያዊ ስልቲ ብምኽታል፣ ን31 ዓመታት ዕድመ ነጻነት ዝአክል ከም ልቡ ብሕም ኢሉ ብሐርነት ከምዘይዛረብን፣ ፊሒት ኢሉ ከምዘይንቀሳቐስን ጌሩዎ ኢዩ። ኢሳያስ ግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ክኸውን’ስ፣ ነቶም ብመስዋእትን ስንክልናን ዝሐንገርዎ ተጋደልትን፣ ካብ ተራ ሰብ ናብ ስልጣን ብመንኩቦም ዘደየብዎ መቓልስቱ ዝኾኑ መራሕትን ከይተረፈ’ኳ ዝጠለመን ዝኸሐደን፣ አብ ትሕቲ ጸልማት አብያተ ማእሰርቲ ብዘይ ክሲን ፍርዲን ዘብለየ ጠላምን ብመብጻዕታት ሰባት ዘታልልን ምዃኑ’ኸ መን ይዝንግዖ።

ጌና ብቐጻሊ ንወለዶ ዘባድም፣ ንሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ አብ ከቢድ ሐደጋን ወጥሪን ዝኸትት፣ ፖለቲካዊ ካርታ ጠላዕ ብምጽዋት ዋኒነይ ኢሉ ክሳብ እዋን ዕርበት ስርዓቱ እንሆ ጌና ይቕጽሎ ኢዩ ዘሎ። ከም እብነት ከአ ናይቲ አብ ኢትዮጵያ ዝተባርዔ ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ከአ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ተባሪዑ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ፣ ቀንዲን ዋናን መሃንድስን ተዋሳአይን ብምዃን፣ ካብ ድሌትን ባህጊን ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ፣ ጸረ ረብሐታቱን ጠቕሙን ከአ ዝኾነ ኵናትን ውግእን፣ ብስም “ኤርትራን ….. መንግስቲ ኤርትራን” ዝብል አብ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ጣልቃ ኢድ ብምእታው፣ ንህዝብና አብ ዘይወጾ ሐደገኛ ታኼላ ሸሚሙዎ አሎ።

ንሕና ነዚ ሐደገኛ ጸረ ረብሐን ጠቕሚን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፣ አብ መንጎ ፈደራላዊን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተባርዔ፣ ከምኡ’ውን አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ወረራዊ ግፍዒን ዓመጻን ኢደወነናዊ ጣልቃነት ስርዓት ኢሳያስ አትሪርና ኢና ንቃወሞን ንኹንኖን። እዚ ንመላእ ኢትዮጵያ ብፍላይ፣ ንዞባ ቀርኒ አፍሪቃ ከአ ብሐፈሻ ብአሉታዊ ሳዕቤናት ዝጸሉ አዕናዊ ውግእ’ዚ፣ ብሰላምን ዘተን ክፍታሕን ንአህዛብ ኢትዮጵያ ብሐፈሻ፣ ንህዝቢ ትግራይ ከአ ብፍላይ ካብቲ ተፈሪዱዎ ዘሎ ፍሉይ ውዲታዊ ከበባን ምጽናትን ሓራ ኮይኑ ናብ ጎደና ሰላምን ዳግመ ህንጻ ምዕባሌን ዕቤትን ክሰጋገር ናይ መላእ ደላይ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ትምኒትን ባህግን ምዃኑ ብዘየማትእ ንገልጽን ነረጋግጽን።

ንሕና ሎሚ ከም ህዝብን ሃገርን ነቲ አብ ልዕሌና ዝተፈጸመ ኢሳያስ ዝመራሒኡ ጥልመትን ኽሕደትን አልዒልና አብ ሕርቅምቃምን ንኡስ ኣተሓሳስባን እንነብር ህዝቢ ዘይኮንናስ፣ ሃገራዊ ሐድነትና አትሪርና፣ ጥርናፌና ብስጥመት ዓቂብና፣ ንኩሉ ክእለትናን ብቕዓት ትሕዝቶናን አብ ሐደ ብምምጻእ አወሃሂድና፣ ናብ መንገዲ ፍጹም ዓወት እንሰግር ህዝቢ ኢና ክንከውን ዝግብአና። ነዚ ክንገብር ምስ ዘይንኽእልን ምስዘይንበቅዕን ግና ካብ ኩሉ ኩርናዓት ንዝመጻና ተጻብኦ ንኽንምክት ከጸግመና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ወትሩ’ውን አብ ስግአትን ፍርህን ከንብረና ኢዩ ። ፍርህናን ስግአትናን ከኣ ጸላእቲ ሃገራዊ ልዑላውነትና ብዝብልዎን ዝምድብዎን ዝውሰን ዘይኮነስ፣ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ጉዳይና አብ ምዕዋት፣ ክሳብ ክንደይ ብሕድሕድ ምጽውዋር ዝተሰነየ ናይ ምእላዩ ብቕዓት ንውንን፣ ንህዝብና ዝጥርንፍ ባይታ ፈጢርና ብተሪር ሃገራዊ ሐድነትና ጸኒዕና ክሳብ ክንደይ ደው ምባልናን ጥራሕ ኢዩ ዝውስኖ።

አብ ኢትዮጵያን ከባቢናን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት እንታይ ዓይነት ምዕብሌታት ሒዙ ከምዝመጽእ ንምትንባዩ አሸጋሪ ኢዩ። ኤርትራውያን ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ምዕብሌታት ዝምልሽ፣ ናይ ኩሉ ሃገራዊ ሐይልታትና ብምጥርናፍ ዘወሃህድ፣ ሐድነትና አትሪርና አቐዲምና ተዳሊናሉ እንተዘይጸኒሕና ከአ ጽባሕ ጣዕሳን መረረን ትርጉም ፍጹም አይክህልዎን ኢዩ። ስለዚ አብ ክንዲ ፍልልያት ንጽብጽብ አብ ሕድሕድና  ሓድነት ብምስፋን፣ ንኩሉና ብዝለዓለ ዝጠምርን ዘቀራርብን ብልሓት ፈጢርና፣ ንሃገራዊ ልዑላውነትናን ንህዝብና ኣብ ምድሓንን ካብ ምቅላስ ዝዓብን ዝቕድምን አርእስቲ ከቶ የብልናን። ስለዝኾነ ከአ ምስ ግዜን ምዕባሌን ክንቀዳደምን ሓድነት ጥርናፌና ከነደንፍዕን ህሉው መድረኽ ይጠልበናን ሐላፍነት’ውን የሰክመናን አሎ።

ከም ኤርትራውያን እቲ ቀንዲ ከነተኩረሉ ዝግባእ መበገሲ ርእይቶ ንሃገራዊ መድረኻዊ ዕማማት ንምስልሳል ከአ እዚ ዝስዕብ ንምጥቃስ ይከአል።

  1. አብ መንጎ ኤርትራውያን ዝርከብ ናይ አተሐሳስባ ፍልልያት ብምጽባብ፣ አብቲ ቀንዲን ልዕሊ ኩሉን ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ሃገራዊ ልዑላውነትና ከአ ንምውሓስ፣ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሕን ዝነጥፍን ሐደ መድረኻዊ ጥርኑፍ ሃገራዊ ግንባር ምዕንታርን ምሕያልን።
  2. ኩሉ ናተይ ዝብሎን ዝከላኸለሉን፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ: መድረኻዊ መትከላትን መደብ ዕዮን ብተሳታፍነት ናይ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝሳተፈሉ መሰጋገሪ መድረኽ ዝኾነ መሪሕ ሕንጻጽ ምግባርን አብ ሓደ ውሁድ ስምምዕ ምብጻሕን።
  3. ሃገራዊ መሰጋገሪ መደብ ዕዮን ንዕኡ ሒዙ ዝመርሕ መሰጋገሪ መድረኻዊ መሪሕነትን ድሕሪ ምቛሙ ድማ፣ ኩሉ ውድባውን ሰልፋውን ምንቅሳቓሳት መደብ ዕዮ ንጥፈታቱ ከወንዝፍ፣ ነቲ ዝተሐንጸጸ መድረኻዊ ሓበራዊ መደብ ዕዮ ክምእዘዝን፣ በቲ ዝቖመ መድረኻዊ ሃገራዊ መሪሕነት ድማ ክምራሕን።
  4. ነዚ ጥርኑፍ መድረኻዊ ሃገራዊ ግንባር ዝመርሕ ንኩሉ መልክዕ ሕብረተሰብና ዘንጸባርቕ፣ ብቕዓትን ክእለትን ከአ ዝውንን፣ ብዝተኻእለ ከአ አብ መላእ ሕብረተሰብና አወንታዊ ተቐባልነትን ጽልዋን ዘለዎም ባእታት ዝጠርነፈ ክኸውን።
  5. ናይዚ መድረኻዊ ሃገራዊ ግንባር’ዚ ቀዳማይን ልዕሊ ኩሉን ዕላምኡ፣ ሐድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽን፣ ሃገራዊ ልዑላውነት ግዝአተ መሬት ኤርትራ ምዕቃብ ዋና መሰረትን ዘይነቓነቕ ድንክልን ምዃኑ ዘረጋገጸን ዝቕበልን ግንባር ክኸውን።
  6. በዚ መንፈስ’ዚ ተአሳሲሩ ዝቐውም መድረኻዊ ሃገራዊ ግንባር ከአ፣ ነቲ ዘስግአና ክንበዮ ዘይንኽእል አብ ዞባና ክፍጠር ዝኽእል ዘይተሐስበ ምዕብልናታት ንምቁጽጻርን፣ ቅድሚ ውድቀት ስርዓት ኢሳያስ ኮነ ድሕሪኡ ስዒቡ ዝመጽእ መድረኽ፣ ንቅሳነትን ሰላምን ህዝብናን ሃገርናን ዘረጋግጽ ድልዱልን ውሑስን ባይታ ክፈጥር ዝኽእል …… ወዘተ የጠቓልል።

ንማንም ኤርትራዊ ክርድኦ ዝግባእ ስርዓት ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ብምጭቋኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ አብ መላእ ዞባ ቀርኒ አፍሪቃ ቅሳነትን ሰላምን ዝኸልእ ጻሕታሪ ኩናትን ውግእን ስለዝኾነ፣ አብ ዓንኬል ብዙሓት ዞባውያንን አህጉራውያንን ዓይኒ አትዩ ምህላዉን፣ ስርዓቱ’ውን ብርግጽ ምውዳቑ ፍጹም ዘይተርፎ ኢዩ።

ምስኡ ተአሳሲሩ ዝመጽእ ግን ኤርትራውያን በብናትና ፋሕ ኢልና ብምብትታን ሓድነትና ከየረጋገጽና ምስ እንጸንሕ፣ ምስ ግዜ ቀልጢፍና እንተዘይተቐዳዲምና፣ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ዝኾነ ዝተፈላለየ ሐደጋታት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ሕጂ’ውን ከሎ ጌና ክንርዳእ ይግባእ። እቲ ቀንዲ መሰረትን መንቀሊን ናይ’ዚ ሐደጋ’ዚ ከአ፣ ንጂኦ ፖለቲካዊ ዞባና ቀርኒ አፍሪቃን፣ ንስትራተጂካዊ ገማጋግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን መን ሐዪሉ ጽልዋኡ የዕርፈሉ ዝብል ወስታታትን ውደባን ብቐጻሊ ካብ ዝዓበዩ መንግስታት፣ ክሳብ ቀረባና ዝርከባ ሃገራትን ሰልፊታትን ጎስጓሳትን ውደባን ይካየደሉ ምህላዉ ክንርዳእ ይግባእ። ቃል ዓለም ዘይብሉ ስግአትን ፍርህን ኤርትራውያን ወትሩ ዝምንጩ፣ ብፍላይ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ አብ ህዝቦም ካብ ዘካየድዎ መዓልታዊ ፖለቲካዊ ጎስጋሶምን፣ ንቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ስሱዕን ዘይክውንነትን አመለኻኽታኦም ፍጹም ተቐዪሩ አይፈልጥን ኢዩ። ሕሉፍ ሐሊፉ ገለ ገለ ምሁራት ተጋሩ ኮነ ገለ ካብዞም ድሒሮም ዝተመስረቱ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ትግራይ’ውን ከይተረፈ ብወግዒ ከልዕልዎን ክጉስጉሱሉን ዘይርአዩ አይኮኑን። እዚ’ውን ቃል ዓለም ዘይብሉ ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዘይግብኦ ንጹርን ጋህዲን ኢዩ።

ኢትዮጵያውያን ወትሩ አብ ታሪኾም፣ ብፍላይ ከአ አብ ጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ድፍረት ልኡላውነት ኤርትራ ዘሪኡዎ: ዕላማኦም ንምርግጋጽ ከም ቀንዲ መሳርሒ ዝጥቀምሉ፣ በይኖም ክሰርሕዎ ስለዘይክእሉ አብ ውሽጢ ኤርትራውያን ምክፍፋል ፈጢርካ ምስኦም ዝደናገጽን ንዕኦም ዘገልግል ሐይሊ ምፍጣርን ምዕሳብን ኢዩ። ታሪኽ አቦታታና አብ ግዜ አርብዓታት ነዚ ሐቂ’ዚ ኢዩ ዘረጋግጽ። ስለዚ ብዛዕባ ጸላእትና ዝብልዎን ዝዝርግሕዎ ፕሮፓጋንዳ ምዝራብ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንኹሉ ካብ ተጻባእቲ ልዑላውነትና ዝግበር ወስታታት ከከም አመጻጽአኡ ክንምልሽ ዘብቅዓና፣ ሐይልን ብቕዓትን አቃውማን ክንውንን፣ ድልዱልን ሐያልን ዘይነቓነቕ መሰረት ዘትሕዘና ሃገራዊ ዕዮን ከነሰላስልን እዋናዊ ተበግሶን ክንወስድን ኩሉና ደቂ ሃገር ግዴታ አለና። ንሕሉፍ ተመክሮትትና እንዳመዘንና ነቶም ዕንቅፋት ዝኾኑና አሰራርሐታት ንኣርሞም አይንድገሞም። እቲ ካብ ኩሉ ሐደጋታት ብንጹር ዘድሕነና ከአ፣ አብ ክንዲ ናተይ ናትካ ውድበይ ውድብካ እንዳበልካ ፍልልያት እንዳጸብጸብካ፣ አብ ዘይተረጋገጸ ሃገራዊ ባይታ፣ ውድባዊን ውልቃዊ ስልጣንን ቦታን ምቁማት ካልአዊ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ንሱስ አብታ እትመጽእ ኤርትራ ናይ ሰልፊታት ምቛምን፣ ብነጻነትን ሓርነትን ምውድዳርን ስዒቡ ስለዝመጽእ፣ ቀንዲን ቀዳማይን ልዕሊ ኩሉን ንዕኡ ባይታ ዝኾኖ፣ ሎሚ ንሃገራዊ ልዑላዊ ህልውናን፣ ንህዝባዊ መንነትናን ዘውሕስ ንባይታ ሐድነት ቅድሚያን ቀዳምነትን ሂብና አበርቲዕና ምቅላስ ግድንን ግዴታናን ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ። ጥርናፈናን ሓድነትናን ናብቲ እንደልዮ መሰረታዊ ለውጢ ስለዘብጻሓና፣ መኣዝንና ከአ ናብቲ ህዝብና ዝሓልሞ መንገዲ ፍጹም ውሑስ ዓወት ስለዘምርሐና፣ ከም ማእከላዊ ቅዱስ ዕላማ ንዕኡ ጨቢጥና ሓርነታዊ ቃልስና ነጎሃህር። እቲ አብ ሃገርና ዝተደኮነ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት፣ አብ ውሽጢ 31 ዓመታት ፈጢርዎ ዘሎ ምጉሱቓል ክብደቱ፣ ግደፍ ተፈላሊኻስ ኩሉኻ’ኳ ብሐደ ደሪግካ ንኽትፈትሖ ብሐቂ ንጋዶ ኢዩ። ስለዚ ጉዳይ ምርግጋጽ ንሓድነት ኤርትራውያን ትማሊ ኮነ ሎሚ ብርግጽ፣ ማእከላይን ቀንዲን ክረጋገጽ ዘለዎ ቅዱስ ዕላማ ስለዝኾነ ንጽባሕ ዘይብሃሎ፣ ህሉው እውናውን መድረኻውን መልሲ ዝጽበ ተባራዒ ሕቶ ምዃኑ ኩሉና ብዓይኒ ሃገራዊ ሐላፍነት ክንምልከቶን ክንግንዘቦን ይግባእ።

ህላዌናን ሐርነታዊ ቃልስናን ብተሪር ኤርትራዊ ሐድነትና ይረጋገጽ!!!

ክብርን ዝኽርን ንኹሎም ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ!!!

ነጻነታን ሐርነታን ዝዓቀበት ኤርትራ ወትሩ ትንበር!!

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!!

24 ግንቦት 2022

ጻሓፊ ብጻይ ተስፋይ ተኽለ ኣብል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ።