ሶሉስ , 6 ታሕሳስ 2022
ሓደሽ ትሕዝቶ

ው.ሓ.ኤ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ዝቐረበ መደረ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ዝቐረበ መደረ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ

ሎሚ ዕለት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማአታት ኤርትራ ንምኽባር ኣብዚ ተረኺብና ዘሎና ነቲካብ ሓምሳታት ጀሚሩ ቀጺሉውን ሳላሳ ዓመታትት ዝወሰደ ናይ ነጻነት ውግአን ድሒሩውን በቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝወስዶ ዘሎ ደማዊ ውጋኣት ዝተሰዉኡን ዝስዉኡ ዘለዉን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምዝካር ኢዩ። ንመብዛሕትና ሰማእታት ኤርትራ ክንብል ‘ንከሎና ኣብ ሓንጎልና ቅጅል ዝብለና እቶም ብረት ተዓጢቖም ንሃገራዊ ነጻነት ንምርግጋጽ ዝወደቑ/ቓ ወይ ህይወቶም ዝሓለፉ/ፋ ጥራይ ይመስለና ይኸውን’ዩ። ግን’ከ ኣብ ጉዕዞ ነጻነት ኤርትራ ህዝብና ዝወረዶ ህልቂት ማእለያ ብዘይብሉ ናይ ፋሽስቲ ስርዓታት ዋላ’ካ ኣብ ኩናት ብቐጥታ ኣይሳተፍ በቶም ጨካንናት ስርዓታት ገዛኢ ተጨፍጪፉን ሃሊቑን ኢዩ። ገለ ካብዚ ከም ኣብነታት ንምጥቃስ፡
1) ኣብ ሓሙሳታት ንገባቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ንምቅዋም ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ልዕሊ 80 ሰባት ብጥይት ተረሺኖም ኢዮም። ካብዚ ዝነቐለ ሕኑን ሃገራዊ ስሚዒት ንነጻነት ብሰላማዊ መንገዲ ክራጋገጽ ከምዘይከኣል ምስ
ተፈልጠ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱን መንነቱን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መስከረም ሓደ 1961 ብረታዊ ቃልሱ ጀመረ።
2) ኣብ ሕዳር 1973 ኣብ ክንዲ ጀነራል ትሾመ አርገቱ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓውሩን ንክድምስስ መደባት ሒዙ ንመታሕት ክጎዓዝ ‘ንከሎ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣብ ልቢ ትግራይ ዝብሃል ቦታ ጥቓ ዒላ በርዒድ ዝርከብ መንገዲ ዓሪዶም ጸኒሖም
ብጥይት ቀንጸልዎ። እቲ ‘ንሰውራ ምድምሳስ’ ዝብል መደብ ክፈሽል እንከሎ ‘ኣብ ክንዲ ቀራናት ንጛዕማማት’ ከም ዝበሃል ነቲ ኣብ ዖና ኣብ ጥቓ ከረን እትርከብ ዓዲ ንገዛውቲ ብሓዊ

ምንዳዳን ዓይኒ ብለይ ስኒ ብለይ በልማማ ቆልዓ ሰበይቲ ኣረጊት ብሓደ ረፍዲ 450 ሂወት ሃሊቖም ኢዮም።
3) ኣብ ፈለማ ሰብዓታት አብ በሺዲራ ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ጦር ሰራዊት ‘ኣብ መስጊድ ተኣከቡ’ ኢሉ ብቦምብን ብጥይትን ብምርሻን ልዕሊ ሱሳ ዘጋታት ተቐቲሎም ኢዮም!
4) ኣብ 1974 ኣብ ከበቢ ኣስመራ ኣብ ወኪ ዱባ ብተምሰሳሊ ኣገባብ ንህዝቢ ኣብ ቤት ክርስትያን ዳጉኑ ብጥይት ረሸረሾም!
5) ኣብ ከተማታት ውን ከይተረፈ ብዙሓት መንእሰያን ወንበዴ አናተባህሉ ብስልኪ ተሓኒቖም ኢዮም!
6) ኣብ ኦምሓጀር ኣብ 1974 ጦርሰራዊት ንህዝቢ ኣኪቦም ኣብ ክንዲ ብጥይት በእማን ጨፍጪፎም ናብ ዉሑጅ ጋሽ ክሳብ 80 ዝግመቱ ኣጥሓልዎም ።
7) ካብ ባዕዳዊ ገዛኢ ኤርትራዊት ገመል ውን ኣይተረፈትን. ናይ ወንበዴ ታንክ ኢያ አናተባህለት ብነፈርቲ ዝተቐትላ ኣግማል፡ ሜዳ ኤርትራ ይምስክር እዩ።
8) ኣብ ግቢን ቤት ማእሰርቲ ፎርቶን (ፀፀራት )ምስ ውንበዴታት ተሓባቢርኩም ተባሂሎም ዝተቐትሉ ኣዲኦም ትቑጸሮም።
9) ብሰንኪ ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ሲኦል ኮይናቶም ክሳብ ሕጂ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ኣብ ምድረ-በዳን ኣብ ባሕርን ህይወቶም ዝሳእኑ መንእሰያትና ማእለያ የብሎምን!
10) ሎሚ ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዜጋታታ ኰይናትሉ ኣብ ዘላ፡ ብአሽሓት ዝቚጸሩ ዜጋታት ፍትሒ ሲእኖም ብሰንኪ ምንዋሕ ግዜ ዝሃልቁ ከም ዘለዉ ውን ንምስትውዓልና ከዛኻኽር ምደለኹ።
11) እቶም ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጹ ስርዓት ህግደፍ ዕንደራኡ ከርኢ ክብል ምስ የመን፡ ጂቡቲ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ዘካየዶ ኣድላይነት ዘይነበሮ ውግአ ብውሕዱ ክንድቶም ኣብ ንነጽነት ዝተገብረ ዝተኸፍሉ መስዋእቲ ይገማገሙ እዮም።
12) እቶም ኲሎም ምእንቲ ፍትሔ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ደገን ዝተሰውኡን ዝስውኡ ዘለዉን ቊጽሮም ዘይተፈልጠ ስዉአት ዜጋታትና ክርስዖም ኣይግባእን፡ ስለዚ ሰማእታት ኤርትራ ክንብል ‘ንከለና ካብቲ ካብ ሓሙሳታት ጀሚሩ ክሳብ ነጻነት ዝተረጋገጸሉን ክሳብ ሎሚውን ንሃገራዊ መንነት ዝተከፍለ አኩብ ድምር ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ሰማእታቱ በዚ ሎሚ ማዕልቲ ክዝክር ‘ንከሎ ሽማዓ ብምብራህ ጥራይ እኩል ኣይመስለንን። ‘ሕድሮም ኣብ ግብሪ ኣውዒልናዮዶ?’ ኢልና ምስ እንሓትትን መልሱ ኣይፋል ጥራይ ዘኮነስ ተጠሊሞም አምበር እዩ።
ሕድሪ ሰማአታትና አንታይ ድዩ?
1) በጃ ንዝሓለፉሉ ህዝቢ ሓርነቱ ክጋናጸፍ
2) ሉኡላውነት ሃገር ክዕቀብ ሰላምን ብልጽግናን ህዝቢ ክረጋገጽ
3) ኩሉ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ክሕሎ
4) ሕጋዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ክትህነጽ
5) ኣብ ውግእ ዝሰንከሉ ኩሎም ብብሉጽ መነባብሮ ክንከናኸኖም። ናይ ሰማአታትና ሕድሪ ብኸመይ ንምልሰሎም ኣሎና?

ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኢና ንነብር ዘሎና። አስከ ናይዚ ስርዓት ጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ዘንጸባርቕ ናይ ዲክታቶር ኤርትራ ብመጠኑ ክንጠቅስ፡
1)መነባብሮና ይመሓየሸልና ንዝበሉ ስንኩላን ‘ሓንቂቕኩም’ ተባሂሎም ብጥይት ተሃሪሞም። ካልኣይ ስንክልና ዝኸፈሉ ኢዮም።
2) ‘ኤርትራን ኢትዮብጵያን ክልተ ሃገር ኢሉ ዝኣምን ታሪኽ ዘይፈልጥ’ዩ።’ ብምባል ንሉዕላዊት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእተወ።
3) ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣግልግሎት ዝብል ሽፋን ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ኮይኑ ናይ ባርነት ኣርዑት ክስከም ተፈሪዱ።
4)ገበኑ ብዘይፍለጥጽ ኣብ 362 ቤት ማእሰርቲ ተዳጊኑ ዝርከብ መንእሰይ ሃገር ናብ ቤት ማሕቡስ ተቐይራ
5) ኩሉ’ቲ ናይ መባእታዊ መሰላት ወዲ ሰብ ዝተሓረመላ ሃገር!
6) ኣብ ዓለም ኤርትራ አታ ዝዓበየ ቁፅሪ ስደተኛታት እተፍሪ ሃገር
7) መንእሰያት ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ንምርግጋጽ ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ኪናት ክሃልቁ ተገዲዶም።
8) ሃገሩ ቤት ማእሰርቲ ዝኾነቶ መንእሰይ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ይስደድን ኣደዳ መከራን ሕሰምን ሞትን ተሳጢሑ ይርከብ። ከምዚ ኢላ ሃገርና ኣብ ናይ ጥፍእት ጎደና አንተጓዕዘት እናሃለወት ‘ንከላ ህዝቢ ኤርትራ ወይውን ደምበ ፍትሒ ኣብ ደውታ ይርከብ። ንግፍዕታት ኢሳያስን ሰዓብቱን ብምብዳህ ንሃገር ከድሕን ከይተሓለለ ገና ይፍትን ኣሎ። አቲ ዝዓበየ ብድሆ ድማ ደንበ ፍትሒ ሓቢሩ ብሓደ ቅልጽም ንዲክታቶሪያዊ ስርዓት ክገጥሞ ኣይከኣለን።

ንሕና ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ወርሒ ሕዳር ካብ ሰለስተ ውድባት ናብ ሓደ ዝሰመርና፡ ሃገር ምድሓንን ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ቅድም ሓድነቱ ክረጋገጽ ኣለዎ ስለንብል ሕጂውን ደጊምና ንኩሉ ዳላይ ፍትሒ ሃየ ኣብ ሓደ ተወዲብና ብናይ ሓባር ቕልጽም ንሃገርና ነድሕን አናበልና መጸዋዕታና ነቕርብ ኣሎና። ሎሚ ሕድሪሰማእታትና ኣብ ግብሪ ክውዕልን ቅድሚ ሃገር ምድሓን ክስራዕ ዝግቦኦ ነገር ስለዘየለ ምስ ዝኾነ ንሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዝቃለስ ኣካል ሰሚርና ኣብ ሃገርና ፍትሒ፡ ዲሞርራሲ፡ ሰላምን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ሉኡላዊትን ቅዋማዊትን ሃገር ንምውሓስን ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ሚሒኻ ስልጣን ነቲ ዋናኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ምርካብ ሓቢርና ክንሰርሕ ንዕድም።
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ።