ሮቡዕ , 28 መስከረም 2022
ሓደሽ ትሕዝቶ

ውድባዊ መግለጺ ውዱብ ሓድነት ኤርትራውያን ብመኽንያት ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድባዊ መግለጺ ውዱብ ሓድነት ኤርትራውያን ብመኽንያት ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርካ ሓፋሽ ህዝብና፣ ባሕቲ መስከርም ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምልክት ኒሕን ሓቦን፣ መድረኽ ሕራነን ንመግዛእቲ ዘይተምበርካክነትን ፡ ምልክት ኩልንተናዊ ቃልስን ኢያ። ህዝብና እቲ ንዘመናት ዝደለዮ ምምላስ ናጽነቱን ክብረቱን፣ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛኣቲ ምስ ተሰጋገረ፣ ብሰለማዊ ቃልሲ ከረጋግጾም ኣብ ዝፈተነሉ፣ ብሓይሊ ተጨፍሊቑ ኩሎም ኣፍደገታት ምስተዓጽው፣ ብሕራነ ብሓደ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ኣዊጁ። ድሕሪ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ድማ ኣብ 1991 ናጽነቱ ጨቢጡ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም ክንዝክር ከለና፣ ንክንሓልፎ ዝጸናሕናን ንሓልፎ ዘለናን፣ ሓሳረ መከራን ጽንተትን “ብድሆ” ብምባል ጠጠው ከነብሎ ጥራይ ዘይኮነስ ፣ መጻኢ ወሎዶታትና ናይ ዘይተምበርካክነት ባህሊ ንኸማዕብሉ ንምኹስካስ ኢዩ። ስለዝኮነ ድማ ሎሚ መንእሰያትና ተላዒሎም ነቲ መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ፣ መንሽሮ ኮይኖሞ ይርከቡ። ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ከይሓርስ፣ ከይሰርሕን ከይንቀሳቀስን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ገዛኡ ከይነብር ገዛ ናይ ነብሲ ወከፍ ዓጽዩ ኣብ በረኻ ደርቢዩዎ ከብቅዕ፣ በንጻሩ ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና ዓሻ እንተረኸበ ንኸዘንግዕ ናይ ኣሽካዕላልን ሽሕጣንን ፈስቲቫላት ወጢኑ። እንተኾነ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ከምዝበሃል፡ ብመንእሰያትን ዝተወሃሃደ ዓቕሚ ደለይቲ ፍትሕን፣ መርገጺ ባይታ ሲኢኑ ይርከብ። እቲ ብኸፊል ኣብ ሽወደንን ዝተረኽበ ዓወት ኣብ ሆላንድ፡ ጀርመን፡ስዊዘርላንድን ዓባይ ብርጣንያን ድሙቅ ዓወታት ተጨቢጡ ኣሎ። ቅንያት ባሕቲ መስከረም 2022 እምበኣር ልክዕ ከም መስከረም 1961, ሕራነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጥርዚ በጺሑ፣ ይርከብ። እቲ ፍልልይ፣ መስከረም 1961 ኣብ ሃገርና ብጠመንጃ፣ ነሓሰ-መስከረም 2022 ድማ ካብ ሃገርና ወጻኢ ብበተርን ዶንጎላን ምኻኑ ኢዩ። ዓወት ክበሃል ከሎ ብመሰረቱ ንጸላኢኻ ኣብ ዝረከብካዮን ኣብ ዝጠዓመካን ምስ እትስዕሮ ኢዩ። እንሆ ድማ ደላዪ ፍትሒ ህዝብና ንደመኛና ስርዓት ኢሰያስ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብኹሉ መዳይ ሲዒሩ ርእሱ ኣቕኒዑ ከምዘይኸይድ ገይሩዎ ኣሎ። እታ ዝምከሐላ “ሓለንጊ ሰውራ” ብምባል መፈራርሒ ዝጥቀመላ ናይ ጃህራ ሎሚ ማይ ዘይትቋጽር ታህዲድን ኮይና ኣላ። ከም መተካኣታ ድማ ካብ ሕንከት ነጻ ዝኾኑ ኢሰያስን ኮራኹሩን፣ ነቶም ጀጋኑን ደቂ ጀጋኑ ሰማኣታትናን ስንኩላንን ገዳይም ተጋደልትን ዝኾኑ ብጀካ ኤርትራ ካልእ ዘይፈልጡ ተባዓት መንእሰያትና ፣ መንነቶም ብምኽሓድ “ኤርትራውያን ኣይኮኑን ተጋሩ ኢዮም” ክብል ይስማዕ ኣሎ። እዚ ንረሳታት’ውን ዝኽሕድ ስርዓት ንህዝብና ሓድሽ ኣይኮነን። ስርዓት ኢሰያስ ካብ ክሕደት ሓሊፉ ካልእ ዝገብሮ ነገር ከምዘየለን፣ ክሕደት’ውን ኣብዘብጽሖ ከምዘይብሉን ህዝብና ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ኢዩ። ኣብ ኤውሮጳ ዝተሓፍሰ ዓወት ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኣብ ዝሓጸረ ክድገም ኢዩ።

ስርዓት ኢሰያስ፣ ሕጊ ረግጹ እንዳ ነበረ ሕጊ ዝፈልጥ ንኽመስል “ብሕጊ ክሕተቱለይ ኣለዎም” ኢሉ ኣብ ፎቆዶ ሃገራት ኤውሮጳ ንብዓት ሓርገጽ ይነብዕ ኣሎ። ሕመረት መልእኽትና ድማ “ስርዓት ኣስመራ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽኒዕ” ኢዩ። ቃልስና ሓደን ሓደን እዩ ፡ስርዓት ኢሰያስ ምስ ኩሉ ኣታሓሳስብኡ ካብ ገጽ ኤርትራ ምእላይ ።

ኣብ ደገ ዘለኻ ናይ ሓርነት ተቃላሳይ ህዝብና፡ ካብ ውልቀ ሰብ፡ማሕበራት፡ማሕበረ-ኮማት ፡ምሁራት፡ምቅስቃሳት፡ውዱባት ፡ከምኡ’ውን ካብ ታራ ኣነቃቓሕቲ/ኣክትቭስት ክሳብ ወነንቲ ሳትላይታት ናይ መድያ ኣካላትን፡ ነዚ ተበግሱ ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ ናብ ዝብረኸን ዝተዋሃደን ንምዕባዩ ብሓባር ክንሰርሕን ፡ብዙሑነት ኣታሓሳስባታት ከም ጸጋ ቆጽርና ፡ነቲ ጎዲሉና ዘሎ ተመላሊእና ክንሰርሕ በዚ ኣጋጣሚ ክንጽውዕ ንደሊ። ካብ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ ብሰንኪ ህልኽ ዝፈጠሮ ኲናት ሓድሕድ ንሱ ዘስዓቦ ሃገራዊ ክሳራን ተማሂርና ፡ሎሚ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክሳራና ብምውሓድ ዓወትና ከነራብሕ ይግባእ። እዚ ኣብ ኤውሮጳ ዘካየድናዮ ቃልሱ እንተ ሪኢናዮ እኮ ፡ ብጀካ እቲ ኣብ ጊሰን -ጀርመን ዘጋጠመ ፈኲስ ጎንጺ፡ ካልእ ከሉ ብሕጋዊ ኣገባብ ጸላኢና ክንስዕር ምብቃዕና ድርብ ዓወት ኢዩ። እዚ ውህደት ምሁራትን መንእሰያትን ዝያዳ እንተሓይሉ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ጸላእትና ብውሑድ ክሳራ ክንስዕሮም ኢና።
ጻውዕትና ኣብ ደገ ገና ምስእዚ ከየጽነተና ዘይዓርፍ ስርዓት ወጊንካ ዘለኻ ህዝብና፡ “ደርሆ ብ ኣምዑት ደቃ ትጻወት” ከምዝበሃል ኣሕዋትኩም ንኽጠፍኡ ነዳዲ ትውስኹ ከምዘለኹም ከምዘለኹም ክትርድኡ ይግባእ። ኤርትራ ብሕቡር ሓይሊ ኤርትራውያን እምበር ብቁንጮ ስርዓት ኢሰያስ ካብ ምውዳቅ ክተድሕንዋ ከቶ ኣይትኽእሉን። በንጻሩ ምስ ኣሕዋቱኩም ይቅረ ዘይባሃሎ ገበን ትፍጽሙ ከምዘለኹም ተረዲእኩም እንተኺኢልኩም ህዝብኹም ክትክሕሱ፡ እንተዘይኪኢልኩም ኣእዳውኩም ክትእክቡ ነተሓሳስብ።

ዝኸብረካ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ስቃይ ኣብ በረካ ተደርቢኻ ዘለኻ ሓፍሽ ህዝብና እዚ ኣብ ደገ ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፍ ንሕና ደቅኻ እንበር ናይ ካልእ ክምዘይ ኮነ ደግምና ነበስረካ ። ወሪዱካ ዘሎ ኣደራዕ ክቅንጠጥ ልክዕ ከም ኣብ ኣባሕቲ መስከረም 1961, ዝተወለዐ ሽግ ሓርነት ነዚ ኣብ ኤውሮጳ ተወሊዑ ዘሎ ሽግ ሓርነትን ዲሞክራስን፣ ክትስዕቦን ኣካል ናይዚ መፍትሒ ክትከውንን በዚ ኣጋጣሚ ሃገራዊ መልእኽትና ነሕልፍ ኣሎና።

ዝኸበርኩም ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ጊላ ብምዃን መጻኢኹም ጸልሚቱ ዘርምዞርሞ ምጽናሕኩም ከይኣክል ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ኣብ ዘይምልከተኩም ኢትዮጵያ ንምድሓን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ትጥበሱ ኣለኹም። ካብ ጎድንኹም ብጾትኩም ከም ቆጽሊ ክረግፉ ተዓዚብኩም። እንሆ ሕጂ ጅማ ኣብዚ 2ይ ማዕበል ፡ ገንሸል ኢትዮጵያ ክትኮኑ ተዳሊኹም ኣለኸም።ኣቲኹሞ ዘለኹም ናይ ጽንተት መጋርያ ፡ መጀመርያ ንርእስኹም ክትብሉ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ንስድራቤትኩምን ሃገርኩምን ክትብሉ ብረትኩም ናብቲ ዘጽንተኩም ዘሎ ቁንጮ ስርዓት ኢሰያስ ብምቅናዕ ሂወትኩምን ህወት ህዝብኹምን ኣድሕኑ። ነዚ ተባዕ ስጉምቲ እዚ ኣብትወስድሉ እዋን ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጎድንኹም ከም እንህሉ ነረጋግጸልኩም።

መልእኽትና ንመንግስትን ሓይልታት ምክልኻልን ትግራይ፡
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን “ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ: ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ” ምዃኑ ፡ ውድቀት ህዝቢ ኤርትራ ውድቀት ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ውድቀት ህዝቢ ትግራይ ድማ ውድቀት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ መትከላዊ እምነትና ኢዩ ። እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ብዘየወላውል መልክዑ ተመስኪሩ ኢዩ። ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኤርትራ ሃገርና ናብ ውድቀት ተንቆልቁል ብምጽንሓ ኣብ ምውዳቅ ህዝቢ ትግራይ ዓቢ ተራ ተጻዊታን ገና ትጻወት ኣላን። ካብ ውዱቅ ውድቀት እምበር ኣወንታዊ ኣበርክቶ ከምዘይርከብ ኣድማሳዊ ሓቂ ኢዩ። ስለዝኾነ ካብ ወዲቅናዮ ዘለና ናይ ጸልማት መዋእል ሓቢርና ክንትስእን ሰላምና ክነውሕስን ተማላላኢ ቁጠባ ክንሃንጽን ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ መድረኽ ኢዩ። መንግስቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ናባና ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከሕልፎ ዝጸንሐ ንመርገጺታት ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘንጸባርቅ መግለጺታት ኣድናቆትና እና ገለጽና ብወገን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝወረደን ክወርድ ንዝኽእልን ዕንወት ተሓታቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ስርዓት ኢሰያስ ምዃኑ ነስምረሉ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን ዓወት ንህዝቢ ትግራይ
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን
1 መስከረም 2022

መውሃቢ ርእይቶ

ኢመልይኩም ኣይክረአን ኢዩ።