ሶሉስ , 6 ታሕሳስ 2022
ሓደሽ ትሕዝቶ

ኢድ ኣእታውነት ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣጥቢቅና ንኹንን!

ውግእ ብቀጥታ ናይ ደቂ-ሰባት ህይወት ዝቐዝፍ ናይ ጥፍኣት ስራሕ እዩ። ምስኡ ንሂወት መቐጸሊ መነባብሮ ዝዀነ ኩሉ የዕኑ። ሰላምን ቅሳነትን ሕብረተሰብ ከሊኡ ናብ ጥምየትን ስደትን ዘቃልዕ ተግባር እዩ። ዘዕኑ እምበር ዝሃንጽ ኲናት የለን። ብምዃኑ ውግእ ንኸይክሰት ሓያል ቃልሲ ይሓትት።  ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ማንም ህዝቢ ውግእን ወረ ውግእን እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈልጥ ንውግእ ዝጽየን ህዝቢ ኢዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን ጸረ-ሰላምን ቅሳነትን ከምኡ’ውን ጸረ ማሕበራዊ ዕብየትን ዝዀነ ብእሳያስ ዝምራሕ ገባቲ ጭፍራ መሪሕነት ህግደፍ ብፖሊሲ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ውግእ ካብ ዝእውጅ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሩ ይርከብ። ኣብዚ እዋንዚ እሞ ኸኣ ንስልጣነይ ተኸላኸሉ ኣድሕኑኒ ብዝብል ቃና ኩሉ ማዕጾ ገዝኡ ዓጽዩ ናብ ውግእ መታን ክወፍር ከይሰልከየ ይሰርሕ ኣሎ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!

ውሽጣዊ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ እምበኣር ብመደብ ንህዝቢ ናይ ምርዓድ፡ ምጥማይ፡ ምድንቋር መስርሕ ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን ኣካይድሉን የካይደሉ ከኣ ኣሎን። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምስ ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ጉጅለ ህግደፍ ነጸብራቕ ናይ ውሽጣዊ ፖሊሲኡ እዩ ተኸቲሉ። ህግደፍ ምስኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ኣካይዱ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ሂወት ብዙሓት መንእሰያ ቀዚፉ፡ ኣሰንኪሉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ተፈናቒሉን ተሰዲዱን።
እቲ ዝኸፍአ ኣብዚ ናይ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድ-ሕድ ኢትይጵያ ስርዓት ኢሰያስ ኢዱ ሰብሲቡ ምሉእ ብምሉእ ኣትዩዎ ኣሎ። ንህዝብና ቤቱን ጥሪቱን ዓጽዩ ናብ ኲናት ኣውፊሩ የጠጥቖ ይጥጥቆ ኣሎ። ካብ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ጀሚሩ ክሳብ ደቂ ልዕሊ ሰመንያ ዓመት ብረት ይዕድሎም ኣሎ። ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ናይ መጨረሽታ ናይ ቁማር ጸወታኡ በጺሑ ከም ዝርከብ ተነጺሩ እዩ ኣሎ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!

ንዓካ ገባቲ መራሕ ህግደፍ ተወረርና፡ ዘመቱና፡ ልዑላውነትና ክደፍሩ ዝመጽኡ ኣለዉ ወዘተ ይብለካ ኣሎ፣ ኣብ‘ቲ ብስምካ ዝተገብሩን ዝግበሩ ዘለዉን ናይ ጥፍኣት ተግባራት ስርዓት ኢሰያስ ገበናት ይፍጽም ከም ዘሎ ዓለም እንዳጸብጸብዎ ኢዮም። ከም ህዝቢ ድማ ንዓመታት ዝቕጽል ሰፍ ዘይብሉ ሓደጋታትን ጸገማትን ይገድፈልና ኣሎ። ኣብነት ንምጥቃስ፡-

1. ወራር፡- ኣብ‘ዚ ዘለናዮ ዘመን፣ ወራር ዝበሃል ኣምር ኣህጉራዊ ገበን ምዃኑ ይፍለጥ። ኤርትራ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ከም ምዃና መጠን ስለ ዝዀነት ብሕግታት ሕቡራት ሃገራት ክትቅየድ ግዴታ ኣለዋ። ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን ልዑላዊ ማዕርነት፡ መሬታዊ ግዝኣትን ሓድነትን ሓንቲ ሃገር ምፍላጥን ምኽባርን ግዴታ እዩ። እዚኦም ካብ‘ቶም ኣገደስቲ ሕግታት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዮም። ወራር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ምፍጻም ካብ ሰላምን ጸጥታን ናይ ኣህዛብ ምዝራግ ሓሊፉ ንናይ ሓንቲ ካልእ ሃገር ግዝኣታዊ ዶባት ምጥሓስ ይኹን ግዝኣታዊ ሓድነት ምዝራግ ብምዃኑ ቅቡል ኣይኰነን ጥራሕ ዘኰነስ ዘየሎ ምኽንያታት ብምፍጣር ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውግእ ክጥጠቕ ዝገብሮ ዘሎ ግፋ ንዕዘቦ ኣለና። እዚ ብምፍርራሕን ግፋን ዝሳተፍ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ልዕሊኡ ገበንን ዓመጽን ፈጺምካ ኣገዲድካ ገበን ንኽፍጽም ዝዓለመ ምዃኑ ከኣ እቲ ካልእ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ።

2. ናይ ውግእ ገበናት፣- ወላ እኳ ውግእ ዘይሕጋዊ እንተዀነ፣ ኣብ ውግእ ምስ ኣተኻ ድማ ክትክተሎም ዝግብኣካ ሕግታት ኣለዉ። እዞም ሕግታት እዚኣቶም ኣብ ኣህጉራዊ ውዑላት ሰፊሮም ዝርከቡ ኣካል ናይ ኣህጉራዊ ሕግታት እዮም። ኣብዚ ናይ ቀረባ እዋን ብናይ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ኮሚሽን ኣብ ዝሃቦ መባእታዊ ጸብጻብ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ውግእ ገበናት ከም ዝፈጸመ ተጸብጺቡ ኣሎ።

3. ገበን ጸረ-ሰብኣውነት፡- ብፍላይ ኣብ ግዜ ውግእ ንወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣገልግሎት ዘይህቡ ትካላት ኩሎም ናይ ሲቪላዊ ዝዀነ ህዝቢ መነባብሮ ኣገልግሎት ዝህቡ ስለ ዝዀኑ ኣብ ግዜ ውግእ ክትንከፉ የብሎምን። ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ግን እዞም ገበናት እዚኣቶም ብዝሰፍሐ መልክዑ ከም ዝተፈጸሙን ጭፍራ ህግደፍ ከኣ ናይ‘ዞም ገበናት እዚኣቶም ጥርጡራት ተሓተቲ ምዃኖም ተሰኒዱ ይርከብ።

4. ልዑላውነት ሃገር ምድፋር ዝምልከት፡- ልዑላውነትካ ዝኽበር ልዑላዊ መሰል ካልኦት ምኽባር ዘተሓትት ኣይኮነን። ብዘይድልየት ህዝቢ ኤርትራ መሬቱ ብናይ ባዕዲ ሰራዊት ይርገጽ ኣሎ። እዚ ክልተ መልክዕ ኣለዎ። በቲ ሓደ መሬትካ ተጠቒሙ ንኻልእ ንኸጥቅዕ ዕድል ምሃብ ኣብ ውግእ ኰነ ኢልካ ብመደብ ከም ዝተሳተፍካ እዩ ዝቚጸር። መሓዛይ እትብሎ ንሓደ ካልእ ክሃርም መንጠሪ ክጥቀመሉ ኢልካ ክፋል መሬትካ ምሃብ ኣብ ኢሳያስ ዘማሕድራ ዘመነ ኤርትራ ሎሚ ንርኢ ኣለና። በቲ ሓደ ከኣ ብመሰረቱ ንልዑላውነት ሃገርካ ኰነ ልዑላውነት ህዝብኻ ዘይምጥን ምዃኑ ንጹር ኰይኑ፣ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ክጐብጠካ ብዝተፈላለየ መልክዕ ምልክታት ዝህበካ ዝነበረ ኣካል ኣፍ ደገኻ ኣርሒኻ ምሃብ ልዑላውነትካ ኣሕሊፍካ ከም ምሃብ እዩ ዝቚጸር። መንጠሪ ንሓደ ካልእ ክሃርም ክጥቀምሉ ዕድል ክህብ ክብል ልዑላውነት ሃገር ከድፍር ከም ዝኽእል ንርኢ ኣለና።

ስለዚ ንሕና ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

ነዞም ልዕል ኢሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ተግባራት ገባቲ ጭፍራ መሪሕነት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው፣

ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ ይመጽኡኻ ኣለዉ እንዳበለ ኣብ ኮሮሻ ስልጣኑ ኮፍ ከም ዝብል ብምግባሩ፣

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ብስም ምክልኻል ሃገር ዝግበር ዘሎ ግፋ ህዝቢ ኤርትራ ዘይረብሓሉን ብኣንጻሩ ንከምኡ ዝኣመሰለ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝወፍር ዘሎ እከይ ተግባር ገባቲ ጭፍራ ህግደፍ ብምዃኑ፣

ብሰንኪ ዓንዳሪ ውልቃዊ ድልየት፡ ቂምን ቅርሕንትን ዝዓብለሎ ፖሊሲ ህግደፍ፣ ናይ ሰላምን ጸጥታን ሰናይ ጉርብትናን ረብሓ ምስ ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፣

ኣብ መሬት ኤርትራ ናይ ባዕዲ ሰራዊት ኣእቲኻ ተመሊሱ ንህዝበይ እዩ ዝብሎ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምእታዎም ዘይግቡእ፡ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ብምዃኑ፡

ነዞም ልዕል ኢሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ተግባራት ጭፍራ ህግደፍ ብዝተረረ መልክዑ ኣጥቢቕና ንነጽጎን ንኹንኖን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ተግባርዚ ክኹንኖ ጸዋዒትና ብኽብሪ ነቕርብ። እዞም ዝተዘርዘሩ ጉዳያት እዚኦም ኣብ ልዕለኻ ዝወረዱ ዘስካሕክሑ ኣደራዕ እዮም። ኩሎም ከኣ ብዘይጥርጥር ዝንጸጉን ዝዂነኑን ተግባራት ስለ ዝዀኑ፣ ንሕና ከም ውድብ ድማ በቲ ዝለዓለ ናይ ኲነኔ መግለጺ ቃላት ገርና ንዂንኖ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተግባር‘ዚ ክዂንኖ ጸዋዒትና ብኽብሪ እናጸውዓና። ቀጺልና ክብርኻ ክትመልስ ህዝብና ድማ ልክዕ ከም ቀደምካ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ለውጢ ንምምጻእ ተወዲብካ ብጥንቃቐ  ክትቃለስን ንጽውዕ ኣለና።

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያ

24 መስከረም 2022