ሮቡዕ , 28 መስከረም 2022
ሓደሽ ትሕዝቶ

ንስስን ክንሕይል፡ ንጽቡቕና ንሞጉስ ንሕመቕና ንመንቑስ

ንስስን ክንሕይል፡ ንጽቡቕና ንሞጉስ ንሕመቕና ንመንቑስ

 

ሰባት ኣሽምባይዶ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ኣተሓሳስባን ተጠርኒፎምን ንናይ ሓባር ዕላማ ክቃለሱ ዝወሰኑን፡ ካብ ሓንቲ ማህጸንን ስድራቤትን ዝተወልዱን ብሓባር ዝነብሩን ሰባት እውን ኣብ እዋን መግቢ፡ ድቃስን ካልእ ዕለታዊ፡ ተግባራትን ምኹራይን ምጉናጽን ከርእዩ ንቡር ኢዩ። ይኹን እምበር እታ ካብ ሓደ ኣቦን ኣደን ብምውላዶም ዘይትብተኽ ቀለቤት ስለዘላቶም፡ ብሓባር ምንባር ይቅጽሉን ፍልልያቶም ንጓና ኣሕሊፎም ኣይህቡን ኢዮም።

 

ኣብ መፋርቕ 2019፡ “ይኣክል ስቅታን ዓመጽን፡ ፍትሒ ይንገስ ምልኪ  ይፍረስ” ዝብሉ መሰረታውያን ህዝባዊ መትከላት ሒዙ ማዕበል ህዝቢ  ከበግስን ከወሃህድን እንከሎ፡ ንቡዝሓት ኤርትራውያን ተስፋ ሂቡ ነይሩ። ብተግባር ግን እቲ ምንቅስቃስ ሓቒቕ ከም ማይ ንጉሆ ኣይነበረን። ኣብቲ ማዕበል፡ ተጋደልቲ ሻዕብያን ጀብሃን፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ደገፍቲ ተቃወምቲ፡ ተጋደልቲ ሲቭል፡ ምስልምና ክርስትና፡ ኣውራጃ ከበሳ መታሕት፡ ደቂ ኣንስትዮ ደቂ ተባዕትዮ ዝብሉ ስምዒታትን ፍልልያትን እውን ነይሮምን ኣለዉን።

 

እዞም ኣቀዲሞም ዝተጠቕሱ ተርእዮታት ግን መግለጺ ብዙሑነትና እምበር ክፈላልዩና ኣይግባእን። ኣብ ሕብረተሰብና ዝኽሰቱ ዓበይቲ ይኹኑ ናእሽቱ ጉዳያት፡ ዋላ’ኳ ብገለ ወገናት “ምህላዎም ሓደስቲ ተርእዮ ኣይኮኑን፡ ኣካል ሕብረተሰብና ስለዝኾኑ ከሰክፉና የብሎምን” ኢሎም ዕሽሽ ክብልዎም እንተፈተኑ፡ ብዕቱብነት ክንፈትሖምን ክንሕዞምን እንተዘይክኢልና ግን ምንቅስቃስና ክዕንቅፉናን ንኣተሓሳስባና ክገዝኡናን ይኽእሉ ኢዮም።

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ፡ ህዝብና ዘሳቂ ክብርና ዝቅንጥጥን ሃብትና ዘብርስን ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ኣብ ዝነበረሉ፡ ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝወጹን ናይ ሓባር ጸላኢ እንከለዎምን፡ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝተኻየደ ኩናት ሓድሕድን ዝተኸስረ ህይወት ሰብን ንብረትን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠሮ ጓህን ስምብራቱ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣይሃሰሰን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ጉዕዞን ከቢድ መስዋእትን፡ ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ዝኸፍአ ምፍልላይን ምብዛሕ ውድባትን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ብሓባር ጸገማትካ ምፍታሕ ከብድን ሕቆን ምዃንን ኢዩ። እዚ ኣሉታዊ ተርእዮ ድማ ንሞራልን ተስፋን ህዝብና ዘዕረበን ንህላወ ጨፍላዊ ጉጅለ ህግደፍ ዘገበለን ኢዩ።

 

ኣብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ጎሊሑ ዝርአ ዘሎ ድኻማት ግን እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ንዓመታት ዝሰረተን ዘሳቕየናን ንሕምባበና ዝዓግተናን ዘሎ ክውንነት፡ ብኸመይ ንግንዘቦ፡ ንጻወሮን ብኻልኣይ ደረጃ ሰሪዕና ንፈትሖን፡ ብቅዓትን ንቅሓትን ዘይምጥራይና ኢዩ። ወትሩ ካብ ቅኑዕ ሓዲድ ወጺና ነቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ገዲፍና ኣብ ዘይመሰረታውያን ጉዳያት ንህውትትን ሸንኮለል ንብልን ስለዘለና፡ መፍቶ ጸላእቲ ንኸውንን ብኡ መጠን ሕሰም ህዝብና ነኽርርን ኣለና።

ብፖለቲካ፡ ብሃይማኖት ወይ ብኻልእ ጉዳይ ምፍልላይ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ጥራይ ዝርአ ብርቂ ወይ ነውሪ ኣይኮነን። የግዳስ ኣብ ሓንጎልና እቲ ናይ ጽባሕ ኣብ ሎሚ፡ እቲ ናይ ሎሚ ድማ ኣብ ጽባሕ ገላቢጥና ንትርጉሞን ኣብ እግርና ድማ ድሕሪ ሳእኒ ካልሲ መሊስና ክንጓዓዝ ንህቅን ስለዘለና ኢና። ብቀንዱ ድማ ኣብ መፈንጠራ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ደሙ ዝመጺ ዘሎ ጉጅለ ኤርትራ ብቀሊሉ ንኣቱ ምህላውና ኢዩ።

 

ኤርትራውያን፡ ጠንቂ ኩሉ ጸገማትና ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ ኢልና ንኣምን እንተኾይንና፡ መፍትሒኡ ድማ ንዕኡ ምእላይ ኮይኑ፡ ንኩሉ ዓቕምታትና፡ ግዜናን ገንዘብናን ናብኡ ከነዋፍሮን ከነቕንዖን ኣለና። ስለምንታይ ብገፊሕ ማዕጾ ክንኣቱ እናኽኣልና ብጸቢብ መስኮት ክንሰሉኽ ንፍትን? እቲ ካብ ከባቢናን ካብ ሕብረተሰብናን ሒዝናዮ ዝመጻናን ዘማዕበልናዮን፡ ምስ ህላወ ጉጅለ ህግደፍ ዘይወዳደር ጉዳያት፡ ብልቦና ንፍትሓዮን ካልኣይ ቦታ ንሃቦን።

 

ፍልልያት ብዝግባእ እንተሒዝናዮምን እንተፈቲሕናዮምን፡ ምንጪ ምዕባለን ንጉዕዞና ዝድርኹ ኣማራጺታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ንእመን እምበር ዓንቀፍቲ ክኾኑ የብሎምን። ድኻማትና ንምእማንን ንምቕባልን ድፍረትን ቅሩብነትን ዘይብልና እንተኾይኑ፡ ንቅድሚት ክንስጉም እውን ተስፋ የብልናን። ናትና ኣበራት ሓቢእና ሕማምና ንጉጅለ ህግደፍ ምስካም፡ ክተርፍን ክንስስን ክንሕይል እንተኾይና ድማ፡ ብትብዓትን ብዘይ ስክፍታን፡ ንጽቡቕና ንሞጉስ ንሕመቕና ንመንቑስ.።

ተስፋ ኤርትራ

 

 

መውሃቢ ርእይቶ

ኢመልይኩም ኣይክረአን ኢዩ።