ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ኣንቢራቶ ዝጸንሓት ናይ ምድርን ባሕርን እገዳታት ኣልዒላ ዳግም ክትከፍቶ ምዃና ኩዌት ሓቢራ።እዚ

ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቐጠር ኣንቢራቶ ዝጸንሓት ናይ ምድርን ባሕርን እገዳታት ኣልዒላ ዳግም ክትከፍቶ ምዃና ኩዌት ሓቢራ።እዚ ስጉምቲ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዋዕላ ወሽመጥ ዓረብ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።ብመሰረት ሓበሬታ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ፡ ክልቲኣን ሃገራት ነቲ ዘይምስምማዕ ዘኽትም ስምምዕ ክፈራረማ ምዃነን ኣፍሊጡ።ቅድሚ ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ቐጠር ንግብረ ሽበራ ትሕግዝ ኣላ ብዝብል ክሲ ጎረባብታ እገዳ ኣምቢረናላ ከም ዝነበራ ይፍለጥ።

ነቲ ዲፕሎማስያውን ንግዳውን ናይ ምንቅስቓስን እገዳ ተግባራዊ ንምግባር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ባሕሬንን ግብጽን ብሓባር ኮይነን እየን ክሰርሓ ጸኒሐን።
ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እታ ንእሽተይ ግን ከኣ ሃብታም ዝኾነት ቐጠር ግን ዝኾነ ጀሃዳውያን ዕጡቃት ከም ዘይትሕግዝ ከትነጽጎ ጸኒሓ።
እዚ ሓዲሽ ዲፕሎማስያዊ ተርእዮ እዚ ኣብ ቴሌቭዥን ኩዌት ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሕመድ ናስር ኣል-ሰባሕ’ዩ ተኣዊጁ።
ወላ እኳ ክሳብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሽምግልና ኩዌት ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት ብዘይፍረ ክብተን እንተጸነሐ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ቁሩብ ኣዋርሕ ግን ተስፋ ዘለዎም ምልክታት ክዓቢ ከም ዝጸንሐን፡ ነቶም በዚ ጉዳይ ንዝተጎድኡ ከኣ ሩፍታ ዝህብ ከም ዝኾነ ናይ ቢቢሲ ዓረብ ኣፈይርስ ኣሰናዳኢ ሳበስትያን ኣሸር ጸብጺቡ።

ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብዚ ጉዳይ ርኡይ ተራ ከምዝተጻወተን፡ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ዝካየድ ናይ ምፍርራም ስምምዕ፡ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወኪሉ ሰብኣይ ጓሉ ጃሬድ ኩሽነር ክሳተፍ ምዃኑ ሰብመዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።ናይ ቐጠር ኣሚር ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ፡ ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ብንጉስ ስዑድ ዓረብ ሳልማን ንዝተገብሮ ዕድመ ከም ዝተቐበሎ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ነቲ ኣኼባ ዘወሃህዱ፡ ስዑድ ዓረብ፡ ሰማያዊ ክሊን ናይ ባሕርን ዶባትን ናይ ምኽፋት ስጉምቲ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ምትእምምን ዝፈጥር ምዃኑ ኣብሪሁ።ኣብ 2017 እቲ እገዳ ምስ ተገብረ፡ እቲ ኣሚር ንዝኾነ ዜጋ ናይ ቐጠር ምንቅስቓስ ዝደረተት ሃገር ኣይክኣቱን እዩ ኢሉ ምንባሩ ይፍለጥ።