ሶሉስ , 6 ታሕሳስ 2022
ሓደሽ ትሕዝቶ

ሰባት ብምስግጋር ኣብ ንግዲ ዝዋፈሩ ጉጅለ: ጀሆ ሒዘሞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን መንእሰያት ብዕለት 28/10 ኣብ ትሕቲ ጸጥታ ሰራዊት ሱዳን ኣትዮም።

ኣባላት ሓለዋ ዶባት ሰራዊት ሱዳን ዕለት 28/10/22፡ ኣብ ከባቢ ቶኮር ሱዳን ብጉጅለ ንግዲ ደቂ ሰባት ን22 መዓልቲ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ 18 ኤርትራውያን መንእስያት ሓራ ኣውጺኦም። እቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም ክሳቀዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ጨወይትን ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ናይ ቶኩሲ ልውውጥ ድሕሪ ምፍጻሙ እዮም ብእሱራቶም ሓዲጎሞም ሃዲሞም። ጨወይቲ ጠቅላለ 60 ሽሕ ዶላር ካብ ቤተ ሰብ ጭዉያት ሓቲቶም ከም ዝነበሩን ድሮ ድማ ክልተ ካብኣቶም ብጺሒቶም ብመንገዲ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቤተ ሰቦም ከፊሎም ከም ዝነበሩ እቶም ግዳያት ሓቢሮም ኣለው። ኩነታት ግዳያት ናብ ላዕላዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)ኣብ ሱዳንን ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ከም ዝተሓበረን ግን ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ መርመራ ፖሊስ ሱዳን ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን።
30 ጥቅምቲ 2022።