ሩስያ ናይ መጀመርታ ናይ ኩናት መርከብ ናብ port sudan ኣእትያ።

ሩስያ ናይ መጀመርታ ናይ ኩናት መርከብ ናብ port sudan ኣእትያ።ሩስያ ናይ መጀመርታ ናይ ኩናት መርከባ ቅድሚቲ ዝተመደበላ ግዜ ናብ ፖርት ሱዳን ከም ዘእተወት ተገሊጹ፡፡

 

    እታ ብ’ኣድሚራል ጊሪጎሮቪች”ትፍለጥ ዓባይ መርከብ ናብ port sudan ድሕሪ ምእታዋ እቲ ዘላቶ ቦታ ሞስኮ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጸሉ መደብ ከምዘለዋን ብተወሳኺ ውን እቲ ብሩስያ ክህነጽ ተባሂሉ ዘሎ ዓቢ ወተሃደራዊ ግቢ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሙኻኑ ማዕከናት ሃገረ ሩስያ ትማሊ ሰንበት ኣቃሊሐን።

     እዛ ናብ ፖርት ሱዳን ናይ መጀመርታ ሙኻና ትፍለጥ ዘላ መርከብ በቲ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝኣተወቶ ውዕል መጠን ከም ዝኣተወትን ነቲ ዘላቶ ቦታ ውን ከም ሓደ ኣዝዩ ዓቢ ናይ ሓገዝ ሰንተር ክትገብሮ ሙኻናን ዝተፈላለዩ ምትዕርራይን ተወሳኺ ቀረብ ንሰራሕተኛታት ከምትገብር እተን ማዕከናት ተዛሪበን።

       እቲ ብሩስያ ተወጢኑ ዘሎ ናይ ቀረብ ማእከል ድማ ኣስታት 300 ዕጡቓትን ውልቀሰባትን 4 ዓበይቲ መራኽብ ናይ ኒኩለር ሓይሊ ዘለዎም ትቦታት ከምዘየቓልል መንግስቲ ሩስያ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ ይርከብ።