ሮቡዕ , 28 መስከረም 2022
ሓደሽ ትሕዝቶ

ሓጺር ድሕረ ባይታ ኣቦና፥ ኣቡነ እንጦንዮስ – [ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡን፡ ፓትርያርክ ተዋህዶ ኦርተዶክስ ቤተ–ክርስትያን ኤርትራ።]

ሓጺር ድሕረ ባይታ ኣቦና፥ ኣቡነ እንጦንዮስ – [ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡን፡ ፓትርያርክ ተዋህዶ ኦርተዶክስ ቤተ–ክርስትያን ኤርትራ።]
ብሓምለ 1927 ካብ ኣቦኦም ገብረመድህን ደብረጽዮንን ኣዴኦም ወ/ሮ ኢለን ቀለታን ብስም የማነብርሃን ኣብ ሕምብርቲ (ሓማሴን) ተወሊዶም። ብቝልዕነቶም፡ ካብ መበል ሓሙሽተ ዓመቶም፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቶም ኣብ ገዳም ደብረ ጽገ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ) ተኸታቲሎም፡ ኣብ መበል 12 ዓመቶም መዓርግ ዲቁና ተሸይሞም። ምስ’ቲ ዝተፈላለየ ናይ ገዳም ኣገልጉሎታት፡ ዘድሊ ትምህርቲ ግብረ ክህነት ድሕሪ ምቕሳም፡ ኣብ 1950 መዓርግ ምንኩስናን ክህነትን ለቢሶም፡ ኣባ የማነብርሃን ፈላሲ ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኰይኖም። ኣብ 1955፡ ብማሕበር ገዳም፡ ንኣበምኔት (ኣማሓዳሪ፡ ሓላፊ ገዳም) ተመሪጾም፡ መምህር የማነብርሃን ተባሂሎም፡ ናይ ገዳም ደብረ ጽገ ኣቡነ እንድርያስ ላዕለዋይ ተጸዋዒን ሓላፊን ኰይኖም ተመዚዞም። ብኸም’ዚ ድማ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ’ቲ ገዳም ኣገልገሉ። ኣብ ሰነ 1994፡ ብብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ (ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ፡ ግብጺ)፡ ምስ ሓምሻይ ርእሶም መዓርግ ጵጵስና ተቐቢኦም። ከምኡ’ውን ኣካል ናይ’ቲ ዝቘመ ሓዲሽ ሲነዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኰኑ። ኣባላት’ዚ ሲነዶስ ዝነበሩ ኣቡናት ንምጥቃስ፤ ብጹእ ኣቡነ እንጦንዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሓማሴን፡ ብጹእ ኣቡነ ዲዮስቆርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ፡ ብጹእ ኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ፡ ብጹእ ኣቡነ ዮሃንስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ፡ ብጹእ ኣቡነ ሰላማ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ እዮም። ንኣርባዕተ ዓመታት ናይ ሓማሴን (ዞባ ማእከል) ጳጳስ ኰይኖም ድሕሪ ምስራሕ፡ ኣብ ሓምለ 1998 ሊቀ ጳጳስ ዝብል መዓርግ ተዋሂብዎም።

ካልኣይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝነበሩ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ፡ ኣብ ታሕሳስ 2003 ድሕሪ ምዕራፎም፡ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብዓቃቤ መንበርነት ክሰርሕ ተሓርዮም ንዝነበሩ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብ3 ለካቲት 2004፡ ኣበምኔታት ገዳማት ኤርትራ፡ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ተኣኪቦም ንምርጫ ካብ ዝቐረቡ ጳጳሳት ብዝለዓለ ድምጺ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦ/ተ/ኤ ክኸኑ ተመሪጾም። ኣብ 25 ሚያዝያ 2004 ድማ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዝተሳተፉዎ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ–ጽዮን ቅድስቲ ማርያም፡ “ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦ/ተ/ኤ” ተባሂሎም ብብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ ተቐቢኦም። እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ክልተ ፓትርያርክ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኢትዮጵያ ከም ጳጳሳት ዘገልግሉ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ግን፡ ኣብ ኦ/ተ/ኢትዮጵያ ከም ጳጳስ ኰይኖም ዘየገልገሉ ናይ መጀመርታ ፓትርያርክ ኦ/ተ/ኤርትራ ክኸኑ ዝበቕዑ እዮም። እንተዀነ፡ ኣብ 18 ሓምለ 2005፡ ፓትርያርክ ዘይጸውዑዎን ዘይተዓደሙሉን ኣኼባ ኣባላት ሲኖዶስ ተገብረ። “ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይካ ብጸሎትን ቡራኬን ካብ ዝዀነ ይዅን ንጥፈታት ምሕደራ ቤተ-ክርስትያን ክግለሉ፡” ዝሕብር ውሳነ ኣሕለፉ። ኣብ 23 ሓምለ 2005፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መልሲ ደብዳበ ናብ ሲኖዶስ ለኣኹ። ዋና-ጸሓፊ ምምሕዳር ቤተ-ክርስትያን ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስ ዝመርሖ ልኡኽ ሲኖዶስ ብ25 ሓምለ 2005 ናብ ግብጺ ብምኻድ፡ ንፓትርያርክ ንምትካእ መልእኽቲ ኣብጽሑ። ብወገን ግብጺን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናትን ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እንተዀነ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ ጥሪ 2006 ተኣኪቡ፡ ነቲ ብዘይ ወግዓዊ መግለጺ ካብ ነሓሰ 2005 ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱዎ ዝነበረ ፓትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ካብ ስልጣን ከም ዝኣለዮ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጽአ። ኣብ ጥሪ 2007 ድማ ናይ ፓትርያርክነት ልብሶም ካብ ገዛኦም ብኽልተ ኣቕሽሽቲን ኣባላት ጸጥታን ተወሲዱ። ካብ 2006 ንድሓር ብሲኖዶስን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጕዳያት መንግስቲ ኤርትራን ካብ መንበረ ስልጣኑ ተኣልዮም፡ ናይ ገዛ ሕዩር ክኾኑ ድማ ተወሲኑ። ምስ ሕገ ቤተ-ክህነት ብዝጻረር፡ ፓትርያርክ ብህይወት እናሃለወ፡ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ራብዓይ ፓትርያርክ ኦ/ተ/ኤ ኰይኖም ኣብ 27 ግንቦት 2007 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ–ጽዮን ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ ተቐብኡ። እዚ ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ፡ ብናይ ግብጺን ካልኦት (ኦሪየንታል)ን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ዓለም ወግዓውነት ዘይረኸበ እዩ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ንኣስታት 12 ዓመታት ናይ ገዛ ሕዩር ኰይኖም ድሕሪ ምንባር፡ ኣብ 2019፡ ኣብ ኣስታት 90 ዕድመኡ፡ ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝወጽኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተነጊሩ። ኣብ 2019-2020፡ ሓጸርቲ ቪድዮታት ማዕዳን ተግሳጽን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ቀሪቡ ነይሩ። ኣብ 9 ለካቲት 2022፡ ብሞት ከም ዝተፈልየ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተገሊጹ።
ፈለማ ናይ ሰራየ ኣቡን፡ ዳሕራይ ድማ ራብዓይ ፓትርያርክ ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆርዮስ፡ ኣብ 2015 ምስ ዓረፉ፡ ብድሕሪኡ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ፓትርያርክ ኤርትራ ኰይኑ ዝተመዘዘ የለን።
ቀዳማይ ፓትርያርክ ኣቡነ ፊሊጶስ (1901-2002)፡ ከም ፓትርያሪክ ኮይኖም ዘገልገልሉ ካብ ግንቦት 1999 ክሳዕ 2002።
ካልኣይ ፓትርያርክ ኣቡነ ያዕቆብ (1924-2003)፡ ከም ፓትርያሪክ ኮይኖም ዘገልገልሉ ካብ ታሕሳስ/2002 ክሳዕ ታሕሳስ/2003።
ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ (1927-2022)፡ ከም ፓትርያሪክ ኮይኖም ዘገልገልሉ ድማ ካብ 2004 ክሳዕ 2007።
ራብዓይ ፓትርያርክ ኣቡነ ዲዮስቆርዮስ (1937-2015)፡ ከም ፓትርያሪክ ኮይኖም ዘገልገልሉ ካብ ሚያዝያ/2007 ክሳዕ 2015
ምንጪ ካብ መጽሓፍ
ኢንሳይክሎፐድያ ኤርትራና – 2ይ ቅጺ (ገጽ 617-619)
ዝተረኽበ ብኢንጅነር ኣማን ተኸስተ ዝተሰነደ እዩ።